MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ታሪኽ ኣፍጋኒስታ ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ተባሂሉ ዝተገልጸ ከቢድ ርእደ መሬት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተንበሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 31 ነሓሰ ምሸት ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 3,000 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ካልኦት ልዕሊ 1,400 ድማ ከም ዝሞቱን ክንገር እንከሎ፡ እቲ ቁጽሪ ክብ ክብል ከም ዝኽእል እንክንገር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ዝወረደ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ምስ ተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ቅርበት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ቅዱሰንቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፣ ንኹሎም በዚ መዓት ንዝተሃስዩ" ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ "ንሓልዮት ልዑል ፍጣሪ" ሕድሪ ቢሎም፡ "ብፍላይ ኣብቲ እቶም ፍቱዋቶም ብምስኣኖም ኣብ ዝርከብዎ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ነቶም ኣብ ጻዕርታት ረድኤትን ሕውየትን ዝተዋፈሩ ኣባላት ህጹጽ ረድኤትን በርገሳውያን ሰበስልጣንን ቅርበቶም ገሊጾም፣ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ካብ ልዑል ፈጣሪ ምጽንናዕን ብርታዐን” ክረኽቡ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒስ የመላኽት።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍአ ሓደጋታት ሓደ

እቲ ርእደ መረኤት ሰዓት 23፡47 ምሸት ዘጋጠመ ኮይኑ፣ ካብ ከተማ ጃላላባድ ምብራቕ - ሰሜናዊ ምብራቕ 27 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ዞባ ማእከል ዝገበረ 6.0 ማግኒቱዩድ ዝዓቐኑ ርእደ መሬት፡ ነታ ብመንግስቲ ጣሊባን እትምራሕ ሃገር፡ ድሮ ምስ ሓያሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ትቃለስ ዘላ፡ እንተወሓደ ካብ ኢራንን ፓኪስታንን ዝተሰጉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ስደተይናታት ከቢድ ምሕደራዊ ጸገም ኣብ እትገጥመሉ ዘላትሉ እዋን ክትሓስቦን ክትግምቶም ዘይከኣል ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ በይና ክትጻወር ብሓቂ ዘይከኣላ እዩ፣ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጥዕና ሻራፋት ዛማን፡ ነቲ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ሓደጋ ንምፍታሕ ማሕበረሰብ ዸም ሓገዝ ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት

ጣሊባን ኣብ 2021 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጥም ዘሎ ሳልሳይ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ከም ዝኾነን ካብታ ሃገር ኣህጉራዊ ሓይልታት ምውጻእን ምወላ መንግስታትን ከም ዝጎደለን። ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝግበር ምወላ እውን ኣብዚ ዓመት ናብ 767 ሚልዮን ዶላር ከም ዝወረደን፣ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ልዕሊ 3.5 ቢልዮን ዶላር ዝወረደ ምዃኑ ዘረጋገጽን፣ ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ልዕሊ ፍርቂ ዝሽፍን ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ክነሱ ሸለል ይበላ እንክብል ከም ዝኾነነን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን ከም ዝጸብጸቦ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መንግስቲ ነቲ ዝተጎድአ ህዝቢ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ እየ ዝበለ ከም ዘየሎ ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ብኤክስ ማሕበራዊ መረብት ኣቢሉ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቱ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ወከልቲ ናይ መጀመርታ ሓገዝ ንምቕራብ ይሰርሑ ከምዘለዉ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ኣብ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሽማግለ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓላፊ ፊሊፖ ግራንደ፣ "ማሕበረሰብ ለገስቲ ንጻዕርታት ረድኤት ካብ ምድጋፍ ድሕር ከምዘይብሉ" ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Sep 2025, 16:25