ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ብዘጋጠመ ፍግረ መሬት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲክን
ትማሊ ምሸት ኣብ ምዕራብ ሱዳን ከተማ ዳርፉር ብዘጋጠመ ሰፊሕ ፍግረ መሬት ልዕሊ ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ንገለ ክፋል ናይቲ ብፍርያት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍረ ዝፍለጥ ዞባ ከምዘዕነወን ነቲ ከባቢ ዝቆጻጸር ዘሎ ጉጅለ ዓመጽቲ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“ሰብኣዊ መዓት ንመላእ ሃገር”
ኣመሓዳሪ ዳርፉር ሚኒ ሚናዊ ፡ ነቲ ፍግረ መሬት “ሰገር ዝኾነ ክትግምቶ ዘይከኣል መዓት” እንክብል ብምግላጽ፣ እቲ መዓት ህዝብና ካብ ክጻወሮ ዝኽእል ንላዕሊ ስለዝኾነ፣ ኣህጉራውያን ሰብኣዊ ትካላት "ኣብዚ ወሳኒ እዋን ብህጹጽ ክኣትዋን ደገፍን ሓገዝን ክህባ" ጻውዒት ከም ዘመሓላለፈ ይሕበር።
ኣብ ሱዳን ዝተረሰዐ ኲናት
መብዛሕትኡ ክፋል ዳርፉር ብሰንኪ እቲ ንኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣዝዩ ዝድርት ውግእ፡ ነቲ ብሰንኪ ፍግረ መሬት ዝተሃስየ ከባቢ ሓዊሱ ዘይመንግስታውያን ትካላት ክበጽሖኦ ዘይክእል ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን ኲናት ሱዳን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ሞት ዘስዓበን ብውሕዱ 13 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ክመዛበሉ ከም ዝገበረን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ኣቡሹክ ኣብ ሰሙን ብጥሜትን ሕጽረት መግብን ዓሰርተታት ሰባት ከም ዝሞቱ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።