ሕ.መ. ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንልኡኻት ፍልስጤም ናይ መእተዊ ፍቓድ ትኸልክል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዕለት 29 ነሓሰ ንከባቢ ከተማ ቓዛ "ሓደገይና ናይ ውግእ ዞባ" እንክብሉ ብምእዋጁ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅድሚ እቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኣባላት ውድብ ሓርነት ፍልስጤምን በዓል መዚ ብሄራዊ ርእሰ ምምሕዳር ናይ ምእታዊ ፍቓድ ከም ዝኸልከለን፣ እቲ ውሳነ ኣብ ዝሃበሉ መግለጺ "ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤምን ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምሕደራ ሰበ ስልጣናትን ንዝተኣተወ ስምምዓት ብዘይምፍጻሞም ንረብሓ ሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ግምት ብምእታው" ዝተወስደ ውሳነ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ኣስዒቡ እውን ነቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓዊሱ ግብረሽበራ ብስርዓት ክነጽጉን፡ ከምቲ ሕጊ ኣመሪካ ዝጠልቦ፣ ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤም ዝኣተዎ ቃልን፡ ኣብ ትምህርትን ካልእ መዳያትን ንግብረ. ሽበራ ዘተባብዕ ተግባራት ኩሉ ከብቅዕ ክገብር ኣለዎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ግብረ መልሲ ካብ ብሔራዊ በዓል መዚ ፍልስጥኤም
ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ እቲ ውሳነ "ብፍላይ ሃገረ ፍልስጥኤም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓዛቢት ኣባል ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕግን ስምምዕ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ብንጹር ዝጋጮ እዩ” እንክብል ምላሽ ከም ዝሃበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሕቡራት ሃገራት ብወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣቢሉ፡ ነቲ ካብ ዕለት 9 - 23 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ክሳተፍ ዘለዎ ጉጅለ ልኡኻት ፍልስጤም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መእተዊ ፍቓድ ዝኽልክል ውሳኔ ኣማእኪሉ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክዘራረብ" ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ "ኩለን ኣባላት ሃገራትን ቀወምቲ ተዓዘብትን ውክልና ክረኽቡ መሰል ኣለወን" ስለዚህ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኩሎም ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዕዮ ክሳተፉ ክተፈቅድ ትግደድ፡ ስለዚ ድማ እቲ ናይ መእተዊ ፍቓድ ገደብ ካብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝካየደሉ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ወጻኢ ኣብ መሬት ኣመሪካ ንዝግበር ጉዕዞ ጥራይ ክምልከት ክኸውን ይግባእ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።
ኵነታት ቓዛ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ውግእን ዓመጽን እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ ብዝሒ ግዳያት ክብ ይብል እውን ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፣ ብመሰረት ጸብጻብ ዋፋ እተሰምየ ማዕከን ዜና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ወሽመጥ ቓዛ ዕለት 29 ታሕሳስ ብዝተፈጸመቶ ደብዳብ ብውሕዱ 22 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ድማ ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ብዘካይዶ ደብዳብ ምኽንያት እቲ ከባቢያዊ ኣየር ይብከልን ብትኪ ክዕብለል ይገብር ከም ዘሎን እዚ ድማ ፍልስጤማውያን ቴንዳታቶም፣ መዕቆቢኦምን ኣባይቶምን ሓዲጎም ክወጹ ንምግዳድ ዝኣመተ ምዃኑ ይንገር። ዋፋ እተሰምየ ማዕከን ዜና ፍልስጥኤም ዝጠቐሶም ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ መሰረት፣ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ጎልጎል ቓዛ ሓገዝ ኣብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ብዝፈነዎ ተኹሲ ከቢድ መዳፍዕ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱን፣ ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ኑሰይራት ኣብ ሓደ ገዛ ብዝፈጸሞ ደብዳብ ናይ ዘትቐትሉ ሰለስተ ሰባት ሬሳ ብጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣባላት ከም እተረኸበ የመላኽት።
ሽዱሽተ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ ውግእ ደው ክብል ይጽውዓ
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ስሎቨንያ፡ ስጳይና፡ ኣየርላንድ፡ ኣይስላንድ፡ ሉሰምበርግን ኖርወይን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘካየደቶ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኖም፡ መንግስቲ እስራኤል "ውሳኔኡ ዳግማይ ክሓስበሉን ወተሃደራዊ ስርሒታቱ ከቋርጽን" ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እቲ ህልው ኩነታት ንህይወት ዝተጨውዩ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ሞት ንጹሃትን ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ከምዘስዕብን ኣመልኪቶም፣ እቲ ህዝቢ ብግዴታ ክፈናቐል ዝብል እስራኤል እትኽተሎ ዘላ ስርሒት "ግሁድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ" ብምባል ኮኒኖም፣ ኣብ ዞባ ቓዛ ዝተረጋገጸ ጥሜትን ምዕናው በርገሳዊ ትሕተ - ቅርጽን፡ እንኮላይ ህዝቢ ከም መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝጥቀሙሉ ማእከላትን ዘጠቓልል ከም ዝኾነ የመላኽቱ።
እቶም ናይተን ሽዱሽተ ሃገራት ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ፣ እስራኤል ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሰፊሕ ሓገዝ ንምሃብ ብናጽነት ክሰርሑ ብምፍቃድ ሰብኣዊ ግዴታኣ ክትሕሉ ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት (UNRWA) ኣብ ምስርን ዮርዳኖስን ዝርከብ መኽዘናት ረድኤት ምሉእን ኣስታት 6,000 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ወሽመጥ ቓዛ ረድኤት ንምብጻሕ ድሉዋት ምዃነን ኣፍሊጡ፡ "እቲ ብሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝ UNRWA ናብ ቓዛ ዝተገብረ እገዳ ክለዓል ኣለዎ" ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረበን፣ ኣብዚ ከቢድ ቅልውላው መግቢ፡ ትማሊ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት፡ ሰለስተ ካብኣቶም ትሕቲ ዕድመ፡ ምስ ሕጽረት መግቢን ጥሜትን ብዝተኣሳሰር ጠንቂ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ናይቲ ከባቢ ሓቢሩ፣ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 124 ህጻናት ሓዊሱ ብውሕዱ 332 ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ የመላኽት።