እስራኤል ኣብ ከተማ ቃዛ መጥቃዕቲ ኻብ ምቕጻል ኣየቋረጸትን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ወተሃደራት እስራኤል ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሃማስ ንምጥፋእን ነቶም ቅድሚ ኽልተ ዓመት ጅሆ እተታሕዙ ሰባት ንምድሓንን ብዝብል ዕላማ፣ ኣብ ከተማ ቃዛ ከካየድዎ ዝጸንሑ መተሓደራዊ ንጥፈታት ይቕጽሉ ኣለዉ።
ብመሰረት ትካል ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፣ ሓይልታት እስራኤል ከቢድ ኣጽዋር እተዓጥቃ ማካይንን ካብ ርሑቕ ቅድሚ ምድብዳቦም ናብ ከባቢ እታ ኸተማ ኸም ዝሰደዱ ተቐማጦ እቲ ከባቢ ይገልጹ ኣለዉ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ መጥቃዕትታታ ከም እተስፍን እቶም ተቐማጦ ቀልጢፎም ኪወጹ ኣጠንቂቓቶም ኣላ። ኣብ መላእ እታ ኸተማ ምስ ሓይልታት ሃማስ ዝተሓባበሩን፣ ኣብቲ ኸባቢ ንዝነበረ እተፈላለየ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ የካይዱ ከም ዘለዉን ውን ይዛረቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዳርጋ 100 ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ብሰራዊት እስራኤል ከም እተቐትሉ ገሊጾም ኣለዎ። ብተወሳኺውን ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም ትሽዓተ ሰባት ብጕድለት ኣመጋግባን ጥሜትን ከም ዝሞቱ፣ እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ቍጽሪ ናይቶም ብሰንኪ እዚ ጠንቂ እዚ ዝሞቱ ሰባት እንተ ወሓደ ናብ 348 ክብ ከም ዝበለን፣ እንተላይ 127 ቈልዑ ህጻናትን ከም ዘጥቓልል የመልክት ።
እስራኤል ብሰንኪ ኻልእ ሕክምናዊ ጕዳያት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ፣ ነዚ ኣሃዛት እዚ ትቃወሞ ኢያ ዘላ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሓደ ጕጅለ ኣህጉራውያን ሊቃውንትን ምሁራትን "ኣብ ጋዛ ዘሎ ፖሊሲታትን ተግባራትን እስራኤል፣ ንሕጋዊ ትርጕም ጃምላዊ ቕትለት ዜማልእ እዩ" ኸምኡውን ኣብ ልዕሊ ደቅሰባት ጃምላዊ ቕትለት ዝፍጸመሉ ገበን ከም ዜማልእ ዚገልጽ ውሳኒ ኣውጺኦም ኣለዉ።
እቲ ማሕበር ምሁራት ጃምላዊ ቕትለት ዘውጽኦ ናይ ኣቕዋም መግለጺ፣ 86 ሚእታዊት ናይቶም ድምጾም ዘቕርቡ ኣባላት ደገፍ ውን ረኺቡ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዸም እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት እዚ "ብኸፊሉ ንሃገራዊ ቀቢላዊ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ንምጥፋእ ተባሂሉ እተፈጸመ ኢዩ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ቕትለት ኮይኑ ኣሎ። ካልኦት ማሕበራት እንተላይ ናይ እስራኤል መሰላት ጕጅለታት ቢሰልምን፣ ሓካይም ሰብኣዊ መሰላት-እስራኤልን፣ ንእስራኤል ጃምላዊ ቕትለት ከም ዝፈጸመት ገይረን ከሲሰንኣ ኣለዋ፣ እዚ ድማ እስራኤል ኣበርቲዓ ዝኸሓደቶ ኽሲ ኮይኑ ኣሎ።
እስራኤል ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ወተሃደራት ሃማስ ኣብ እስራኤል ዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ መልሲ ንምሃብ ኣብ ገማግም ቃዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈነወት፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ብገምጋም 1200 ዝዀኑ ሰባት መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም፣ 251 ድማ ጅሆ ተታሕዞም ተወስዱ ።
ኣብ እስራኤል ድሕሪ እተፈጸመ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ድሕሪ ክልተ ዓመት፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ልዕሊ 63,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይገልጽ ኣሎ። እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሶም ኣሃዛት ከይሃቡ ነዚ ቝጽርታት እዚ ኣብ ሕቶ ኣእትያቶ ትርከብ ኣላ።