ማእከላይ ምብራቕ፡ ቤልጅየም ንሃገረ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ክትህብ እያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲክን
ፈረንሳ፣ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ሕጂ ድማ ቤልጅየም ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህቦ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማክሲም ፕረቮት ገሊጹ። እቲ ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ዕለት 9 መስከረም ዝካየድ ኮይኑ፡ ሃገራዊ በዓል መዚ ፍልስጤም ባዕሉ ብሰንኪ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዘንበሮ ናይ መእተዊ ፍቓድ ዝእግድ ውሳነ ኣብቲ ኣኼባ ህዝባዊ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሳተፍ ከም ዘይክእል እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ እስራኤል ዘሎ ኩነታት
ንፍልስጤም ኣፍልጦ ዝህባ ሃገራት ብዝሒ እናወሰኸ ምምጽኡ ንእስራኤል ከም ዘቖጠዐን ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ቤን ግቪር ድማ "ንፍልስጤም ኣፍልጦ ዝህባ ምዕራባውያን ሃገራት ግብረሽበራ ከጋጥመን'ዩ" ክብል ከም ዘጠንቀቐን፣ መራሔ መንግስቲ ኔታንያሁ፡ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ዘስዕቦ ጸጥታዊ ሳዕቤናት፡ ከምኡ’ውን ልኡላውነት እስራኤል ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ምትግባር ዝምልከት ዕጹው ኣኼባ ክጽውዕ ይሓሰብ ከም ዘሎ የፍልጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ውጥረት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉን ብፍላይ ናይታ ካብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ናይ ዘላ ከተማ ሄብሮን ከንቲባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምታእታዉ ከም ዝኾነን ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑን እቲ ኲናት ብቕጽበት ደው ክብልን ዝጠልብ ተቓውሞታት ከም እተኻየደን፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ካብ መንበሪ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ብዙሕ ዘይርሕቕ ሓያሎ ናይ ጓሓፍ መእከብ ሳጹን ብሓዊ ከም እተቓጸለ ይንገር።
ስክፍታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
መንግስቲ ትራምፕ ኣብ ፍልስጥኤም ከጋጥም ዝኽእል ቁጠባዊ ውድቀት ስክፍታኡ ክገልጽ እንከሎ፣ እዚ ድማ ምብራኽ ዘይውሕስነት ካብ ምስዓብ ሓሊፉ "ተስፋ ዝቖረጹ ሰባት ተስፋ ዘቝርጽ ነገራት” ንኽገብሩ ዝድርኽ ከም ዝኾነን" ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ማይክ ሃካቢ ይሕብር። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕ.ም. ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ ድሕሪ 12 መዓልቲ ናብ እስራኤል ክገይሽ ከም ዝኾነን ርእሰ ብሔር እስራኤል ሄርዞግ ዕለት 4 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከካይድን ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ክራኸብን ከም ዝኾኑ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።