ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ገምገም እትርከብ ኣደ ዝሃበቶ ምስክርነት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሻሂንዳ ናሳር ንዅሉ እቲ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ዝቃለሱሉ ዘለዉ ምኽንያት ክትምስክር ትኽእል ኢያ፣ እዚ ድማ ስእነት ዕድላት፣ ስእነት መሰላት፣ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ከምኡ ውን ወተሓደራዊ ከበባ ዘጠቓልል ኢዩ ዝነብረ ።
ንሳግና ናብ ሓደ ኩነት ጥራይ ኣተዂራ ኢያ ዝመስከረት፣ "ሓራ ኣይኰንናን፣ ኣብ መግዛእቲ ኢና ዘሎና፣ እዚ ዅሉ ኸኣ ሰባት ክሓስብዎ ዘይክእሉ ነተገራት እዩ" በለት።
እዛ ኣብ መንበረ ጥበብ ቤት-ልሄም ኣመሓዳሪት ዝዀነት ኣደ ሰለስተ ቘልዑ፣ ተቐማጢት ምዕራባዊ ገምገም ዝኾነት ኣብ ምስክርነታ "ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኣሎና እንተዀነ ግን ነቲ ኣብ ፍልስጥኤም ዘሎ ዅነታትን ጸበባን ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና" በለት።
"ንደቀይ ከዕቍቦም እኽእል ድየ? ኣይክእልን እየ፣ እሞ ኸ ደኣ ኸም ኣደ ከም ወላዲት መጠን ዕቝባ ኽህቦም እንተ ዘይክኢለ፣ እንታይ ካልእ ክህቦም እኽእል ኣሎኒ?" በለት። "ንዓይ ብሓቂ ኸቢዱኒ ኢዩ ዘሎ፣ መዓልታዊ ናብራና ካብ ምንባር ሓሊፍና ነዚ ኣብዛ ቅድስቲ መሬት ክርከብ ትጽቢት እንገብሩ ሰላምን ምርግጋእን ብተስፋ ብምጽባይ፣ ኣብዛ ሃገርና ዘሎ ዘይምርግጋእን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ኵነታት ካብ ምጽዋር ሓሊፍና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኢና።"
እቲ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ እስራኤልን ሃማስን ነቶም ኣብ ቃዛ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ጥራይ ኣይኰነን ጸልይዎም ዘሎ።
ኣሃዛዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ወተሃደራዊ ሓይልን ቍጠባዊ ሕንፍሽፍሽን ዘጣመረ "ናይ ምምዝባል ስትራተጂ" ይሕብር ኣሎ፣ እዚ ድማ መዓልታዊ ናብራ ንኽንዋጻእ ዘጸግም ኢዩ።
መፈተሺ ነቝጣታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቒቕ ብማኪና ምስ ተጓዓዝካ ኢኻ እትረክብ፣ ነቲ ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድ መንገዲ ድማ ፈተና ይቕይርዎ ኣሎ፣ እቶም ናይቲ ከባቢ ሸፋቱ ከአ መጥቃዕቲ የውርዱልና ኣለው፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ሰፈራታት እንወት ብምፍጻም ይዕምጹ ኣለዉ ከምኡውን ፍርቂ ለይቲ ነኣቦታት ካብ ዓራቶም መንዚዖም ብምውሳድ ይኣስርዎም ኣለዉ።
ናሳር ኣብ ምስክርነታ ስድራ ቤታ እንተ ተመዛቢሎም ቤት-ልሄም ብዝያዳ ክርስትያናዊ ህላወኣ ኸም እትስእን ጥራይ ዘይኰነስ፣ እቲ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ክርስትያናዊ ንብረት ከም ዚሽየጥን ከም ዝዓኑን እውን ንፈልጥ ኢና፣ ድሕሪ ግዜ ኸኣ እቲ ንብረት ናይ ክርስትያን ስድራ ቤታት ኣይክኸውንን ኢዩ።"
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ንመንእሰያት ዜጋጥሞም ዘሎ ኩነታት ውን ብሓዘን ትምስክት።
"ነታ ቕድስቲ ሰሙን ሕማማት ኣብ እነኽብረሉ ዝነበርና እዋን ከመይ ገይረ እየ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ዘይክእል ኢዩ ዝንበረ፣ ፍቓድ ክሓትት ዘሎኒ ብኸመይ እየ? እዚ ንዓይ ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን ። እዚ ኹሉ ኩነታት ንህይወትና ብሓቂ ኣጸጋሚ እዩ ዝገብሮ ። ከም ሳሊ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ልክዕ ከም ደቀይ ኣብዚ ምንባር ኣጸጋሚ ዀይኑ ስለ ዝስምዖምን ዝያዳ ውሕስነት ስለ ዝደልዩን ዝስምዖም ዘሎ ስቓይ ብሓቂ ኢዩ ዘሕዝን" በለት።