ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ጥሜት እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ የጠንቅቕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጆይስ ምሱያ፡ ብስም ምክትል ዋና ጸሓፊ ቶም ፍሌቸር፡ ካብ ሽማግለ ገምጋሚ ጥሜት ዝተዋደደ ምዕራፍ ምደባ ውሁድ ውሕስነት መግቢ ዝሃቦ ሓድሽ ርኽበታት ብምጥቃስ ነቲ ጽኑዕ መጠንቀቕታ ተቕርብ። ሕጂ ኣብ ምምሕዳር ቓዛ ጥሜት ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ደይር ኣልባላን ካን ዩኒስን ክሰፍሕ ከም ዝኽእል እውን ስግኣት ከም ዘሎን፣ ብመሰረት ግምት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ጥምየትን ድኽነትን የጋጥሞም ኣሎ። እቲ ኣሃዝ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ወርሒ ናብ 640 ሽሕ ክዓቢ ይኽእል እዩ። ተወሳኺ 1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ህጹጽ ምዕራፍ 4 ክምደቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 390 ሽሕ ድማ ኣብ ቅልውላው ምዕራፍ 3 ይምደቡ፣ ኣብ ቓዛ ዳርጋ ብጥሜት ዘይተተንከፈ ሰብ ከም ዘየሎ” ምሱያ ትሕብር።
እቲ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ናብቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝተዋህበ መጠንቀቕታታት ንላዕሊ ዘሰንብድ ምዕባለ ከምዘርኣየን፡ ጥሜት ናብ ዝኸፍአ ደርጃ ክበጽሕ ከም ዝኽእል እውን ብዓተውኡ ተሓቢሩ ነይሩ እዩ፣ ሕጂ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት እቲ ተገሚቱ ዝነበረ ብጋህዲ ይረአ ከም ዘሎ ይሕብሩ።
ብፍላይ ኣብ ህጻናት ዘስዕቦ ጽልዋ ከቢድ እዩ። ኣብ መንጎ ሕጂን መፋርቕ 2026ን ብውሕዱ 132 ሽሕ ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ክሳቐዩ ምዃኖም ዝግመት ኮይኑ፣ ካብዚኦም ልዕሊ 43,000 ሕጂ ኣብ ሓደጋ ሞት ዝርከቡ ኮይኖም፣ እዚ ኣሃዝ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ በዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝጥቅዓ ነፍሰጾራትን ዘጥብዋ ደቂ ኣንስትዮን ብዝሒ ካብ 17 ሽሕ ናብ 55 ሽሕ ክዓቢ ከም ዝኽእል ድሮ መጠንቀቕታ ቀሪቡ ከም ዘሎ ምሱያ ተረጋግጽ።