MAP

ውጥን ሰፈራ እስራኤል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ ይብል ሕቡራት ሃገራት ውጥን ሰፈራ እስራኤል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ ይብል ሕቡራት ሃገራት  (AFP or licensors)

ውጥን ሰፈራ እስራኤል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ ይብል ሕቡራት ሃገራት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ ሰፈራታት ንምዕባይ ዝሓንጸጾ መደብ፡ ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ እንክብል ብኣጽንዖት ከም ዝኾነኖ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕቡራት ሃገራት ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ ሓድሽ ሰፈራታት ንምትካል እትገብሮ ዘላ መደብ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ምዃኑን፡ ናይቲ ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ተስፋ ዘዳኽም እዩ እንክብል ብትረት ከም ዝኾነኖ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ቑጠባ እስራኤል በዛለል ስሞትሪች ነቲ እስራኤል ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ ክትሃንጾ ዝኾነ ሰፈራታት ዝምልከት መደብ ዕለት 14 ነሓሰ ብወግዒ ከም ዘቕረቦን፣ ንምዕራባዊ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ ብኣድማዒ መንገዲ ንኽልተ ዝመቅልን ንምብራቕ ኢየሩሳሌም ካብ ካልኦት ከባቢታት ፍልስጤም ንምንጻልን ዝኣተመ እውን ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪች፡ “ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ዝተነብሮ ተስፋታት ዝሓክኽ ውሳኔ እዩ - ቢሉ - እቶም ሰፈራታት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕሱን ነቲ ጎበጣ ዝያዳ ዘደልድልን ምዃኑ ከም ዘጠንቀቐ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን እውን ነቲ ውጥን እስራኤል ይነቕፋ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዘውጽኦ ሓድሽ ውጥን ሰፈራታት ኣትሪራ ትቃወሞ፡ እዚ ድማ ንመጻኢ ሃገር ፍልስጤም ኣብ ክልተ ዝመቅልን ንጹር ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝፈጥርን እዩ” ይብል።

ብፍሉይ ሰራዊት እስራኤል ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንሓደ ኣዛዚ ሓማስ ከም ዝቐተለ ክሕብር እንከሎ፣ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ብርጌድ ራፋሕ ሓላፊ ክፍሊ ወተሃደራዊ ቁጽጽር ሓማስ ተባሂሉ ዝንገረሉ ናስር ሙሳ፡ ዕለት 9 ነሓሰ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተቐተለ ሓቢሩ። ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብቲ ተለግራም ኣብ እተሰምየ ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ዝሃቦ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ፣ ሓማስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ርእይቶ ኣይሃበን።

16 Aug 2025, 14:44