ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2024 ቁጽሪ ናይ ዝተቐትሉ ሰራሕተይናታት ረድኤት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ዸም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት 19 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኣብ ልዕሊ ስራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝፍጸም መቕተልቲ ብ31% ወሰኽ ከምዘርኣየ ይሕብር። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ዝሞቱ እቶም 181 ኣብታ ቀጻሊ ግጭት ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዓ ኣብ ዘላ ቓዛ ዘጋጠመ ምዃኑ የመላኽት።
ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብተን ቀዳሞት ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ 265 ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ስርሖም ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ብቐጥታ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ የጉልሕ። መብዛሕትኦም እቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከም ዝኾነን፡ ኣብቲ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘቕርብሉ ስፍራ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ገዝኦም እውን እንከለዉ ዝተቐትሉ ምዃኖም ይሕብር።
ብጀካ እቲ ዝወረደ ቅትለት፣ 308 ሰራሕተይናታት ረድኤት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከም ዝቖሰሉን ፣ 125 ተጨውዮም፣ 45 ድማ ከም እተኣሰሩን ዝሓበረ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣስዒቡ፣ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር ነቲ ዓመጽ ኮኒኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተይና ሰብኣዊ ረድኤት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ሰራሕተይናታት ረድኤትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘገልግልዎ ህዝብን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ምዃኑ ገሊጹ፣ ዕለት 23 መጋቢት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ራፋሕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንቐዳምነት ብምዝካር፣ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ብንጹር ምልክት ዘለወን ናይ ህጹጽ ረድኤት መካይን ተኹሲ ብምኽፋት 15 ሓኻይምን ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤትን ዝህቡ ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ፣ ድሒሩ እተን መካይንን ሬሳታትን ብቡልዶዘር ተደፊኦም ኣብ ጃምላዊ መቓብር ከምዝተቐብሩ ምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የረጋግጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደጊሙ እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትታት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ። ብምባል ንምክልኻል ዝዓለ ሓያል ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ፣ ሰራሕተይናታት ረድኤት ንምክልኻልን ገበነይናታት ንሕጊ ክቐርቡን ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ መአንገዲ ኣጋትሽ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሰርጆ ቪየራ መሎ ሓዊሱ 22 ሰራሕተይናታት ሰብኣዊ ረድኤት ከም እተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ፍጻመ፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ዕለት 19 ነሓሰ ከም ዸም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዝኸረሉ ዕለት ክኸውን ከም ዝወሰነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።