ትራምፕ ምስ ፑቲን ተራኺቡ ኣብ ግጭት ዩክሬን ክዛተይ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክገብርን ክሳብ ሕጂ ምስታ ሃገር ርክብ ዘለወን ሃገራት ካልኣዊ ቀረጽ ክኸፍላን ዝብል ምፍርራሕ ክሳብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 8 ነሓሰ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን ዝተረጋገጸ መደብ ክሌኣዊ ዘተ ኮይኑ፣ ይኹን እምበር ፑቲን ምስ ትራምፕ ንምርኻብ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ እገዳታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ መዓስ ተግባራዊ ይኸውን ዝፍለጥ ነገር የሎን።
ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቃላቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ከብሎ ኣብ ዝደልየሉ ዘሎ እዋን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝግ ናይ ምባል ምልክታ ተርኢ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብተወሳኺ መራሔ. መንግስቲ ፖላንድ ታስክ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ቀረባ እዋን “ደው” ክብል ከም ዝኽእል የረጋግጽ፣ እቲ መራሔ. መግንስቲ ፖላንድ ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬን ዘለንስኪ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ምናልባት ኣብ ክንዲ ወግዓዊ ምዝዛም እቲ ኲናት "ምቁራጽ ግጭት” ብቕልጡፍ ክረጋገጽ ይኽእል ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እንከመላኽት፣ ዘለንስኪ ዝሃቦ መግለጺ ምስቲ ናይ ፖላንድ መራሔ መግንስቲ ብዙሕ ዝተፈልየ እኳ እንተነበረ፡ “ዘተኣማምን ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ትራምፕን ፑቲንን ከካይድዎ ዝኾነ ክሌኣዊ ዘተ ኣብ ሃንጋሪ ስዊዘርላንድን ወይ ኣብ ኢጣሊያ ከምኡ እውን ኣብ ሕቡራት ኢሚራት ዓረብ ክካየድ ዝኽእል ምዃኑ ይንገር።