MAP

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሚኒያፖሊስ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ተኹሲ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሚኒያፖሊስ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ተኹሲ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሚኒያፖሊስ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ተኹሲ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈደራላዊ ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ክልተ ህጻናትን ካልኦት 17 ሰባት ብዝወረዶም መቑሰልትን ዝተሰምዖም ዓሚቝ ሓዘን ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፈደራላዊ ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ብዝተፈጸመ ቅትለት ዝሞቱን ዝቖሰሉን ምስ ተሓበሮም ናብ ናይ ሚኒያፖሊስ ሊቀ ጳጳሳት በርናርድ ሄብዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእክቲ ተለግራም ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም፣ "ንኹሎም በዚ ዘስካሕክሕ መዓት ዝተጎድኡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብሞት ደቆም ኣብ ከቢድ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ከም ዝኾኑን ቅርበቶም ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ” ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ግዳያትን ውጉኣትን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ክታም ዝተነበሮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን ምግለጺ መልእኽቲ ተለገራም፣ "ነፍሳት ናይቶም ዝተቐትሉ ህጻናት ንፍቕሪ ልዑል እግዚኣብሄር አማዕቍብ ንውጉኣትን ፈተውቶምን ከምኡ'ውን ነቶም ቀዳሞት ምላሽ ዝህቡ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን ኣባላት ክንክን ጥዕናን ካህናትን እጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ኣንከመላኽት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም "መብጽዓ ሰላምን ጽንዓትን ምጽንናዕን ኣብ ጎይታ ኢየሱስ" ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣብ ልዕሊ "ማሕበረሰብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤልን፡ ርእሰ ሰበኻ ቅዱስ ጳውሎስ ከተማ ሚነያፖሊስን ንህዝቢ ዓበይቲ ማንታ ከተማታት ሜጥሮጶሊታን ከባብን" ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝዓበየት ናይ ፈደራላዊ ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ኣብ ልዕሊ እቶም ንናይ ለምዘበን ናይ ትምህርቲ ዓመት ምኽፈቲ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተመሃሮን መምሃራንን ሓደ ሰብ ብናይታ ሃገር ኣቆጻጽራ ሰዓት 08፡30 ብዝኸፈቶ ቶኽሲ ብውሕዱ ክልተ ወዲ ሸሞንተን ዓሰርተን ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ከም እተቐትሉን፣ ካልኦት 14 ሕጻናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 17 ሰባት ከም ዝቖሰሉን፣ 7 ድማ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከቡ ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ጸጥታ ከም ዘፍለጠን፣ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመን ምኽንያት ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ገና ከም ዘይፍለጥ ዜና ቫቲካን ካብ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ጸጥታ እታ ከተማ ዝጋቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ጸሎት ምእንቲ ኩሎም በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉ

ምክትል ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ዊልያም ሎሪ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ “ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ዝተፈጸመ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ፣ ዘሕዝን ልቢ ዝሰብር እዩ - ቢሎም - ሓደ ክፋል ኣካል ክርስቶስ ኣብ ዝቑሰለሉ እዋን ኩሉ ግዜ እቲ ቃንዛ ከም ናይ ገዛእ ርእስና ኮይኑ ይስምዓና። ኩላትና ንጐይታ ሓለዋን ፈውስን ንምሉእ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ንልምን” ከም ዝበሉን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሚነሶታ ቲም ዋልዝ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ "ኣብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ዝተፈጸመ ተኹሲ ሓበሬታ ከም ዝበጸሖን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ዝህሉ ድማ ወግዓዊ ክገብሮ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፣ ሓይሊ ጸጥታ እውን ኣብቲ ቦታ ከም ዝርከቡን በዚ ዘስካሕክሕ ተግባር ዓመጽ ናይ ለምዘበን ናይ ትምህርቲ ዘመኖም ዝጽሎ ደቅናን መምህራንናን እጽሊ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ፣ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፈደራላዊ ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ግብረ ቅትለት ምሉእ ሓበሬታ ከም ዝበጸሖ ገሊጹ . . . ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ቀልጢፉ ምላሽ ከም ዝሃበን፣ ኣብኡ እውን ከም እተዋፈሩን መንግስቲ ነዚ ዘስካሕክሕ ኩነታት ይከታተሎ ከም ዘሎን፣ ምእንቲ ኩሎም በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጸልዉን ግዳያትን ኣብ ጸሎት ምሳይ ክትሓብሩ ኣሓትት” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅድሚ እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ዝተፈጸመ ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቐደሙ 12 ሰዓታት፡ ኣብታ ከተማ ካልኦት 12 ናይ ቶኽሲ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመን ውጽኢቱ ድማ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ሰለስተ ድማ ከም ዝሞቱን ክፍሊ ሓይል ጸጥታ እቲ ከባቢ እንክሕብር፣ "ኣብ ዝሓለፈ ሰዓታት ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ ናይ ቶኽሲ መጥቓዕቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ሄብዳ፡ "ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም መጸናንዒት ሕዙናት”

ናይ ምኒያፖሊስ ሊቀ ጳጳሳት በርናርድ ሄብዳ ዕለት 27 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካልኦትን ኩሎም ኣብ ጸሎቶም ቀረባ ዝኾኑን ዓሚቝ ምስጋናይ አቕርብ - ቢሎም - ናይ ኩሎም ካህናትን ምእመናን ሊቀ ጳጳሳትን፡ ከምኡ'ውን ናይ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቀጻሊ ጸሎት ንሓትት፣ እግዚኣብሄር ጥራይ ክጽግዎ ዝኽእል ፈውሲ ኣብ ልዕሊ ኩሎም እቶም ኣብቲ ኣብ ቤተ ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ኣብ ዝዓርግ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ እናተሳተፉ እንከለዉ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ከቢድ ስንባደ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ብስራተ ገብርኤል እግዚኣብሔር ኢዱ ከንብረሎም ነፍሲ እቶም ዝተቐትሉ ናብ ፈቓርን መሓርን ኣምላኽ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ነወፍዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ሄብዳ ወሲኾም፡ "ተማሃሮ መምህራን ካህናት ምእመናን ኣብቲ ድሕንነት ክስምዓና ዝግብኦ ቤተ - ክርስትያን ዝረኣይዎ ራዕዲ ልቢ ዝሰብር እዩ። እዚ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ካብቲ ኣብ ጥቓ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክርስቶስ ንጉስ ዘጋጠመ ዘሕዝን ተዅሲ ሓደ መዓልቲ ስዒቡ ዝተፈጸመ ምዃኑ ነቲ ኣብ ማሕበረሰብና ዘሎ ስቓይን ቍጥዓን ከም ዘዛየዶ ገሊጾም፣ ማሕበረሰብና በቲ ኣብ ልዕሊ ተኣፈፍትን ንጹሃትን ዝፍጸም ዘስካሕክሕ ዓመጻ ኺቝጣዕ ሓቂ እዩ።  ንቡር እውን እዩ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ንኸይድገም ክንሰርሕ ቃል ክንኣቱ እኳ እንተለና፡ ናይ ሰላምን ፍቕርን ኣምላኽ ከም ዘሎና፡ ነቶም ኣዝዮም ዝተጎድኡ ንምሕቋፍ ኣብ እንጽዕረሉ ዘለና እዋን ድማ ፍቕሩ ዝያዳ ዘድልየና ምዃኑ ነዘኻኽር . . . ቅድስቲ ድንግል ማርያም መጸናንዒት ሕዙናት ኣማልድልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

28 Aug 2025, 15:16