ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀባት፡ መሰል ፍሉይነቶም
ዕለት 9 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ መሰላት ደቀባት፣ ደቀባት ካብ ካልእ ክፋል ዸም ፍሉያት ኮይኖም መንነቶም ኣብ ምንባር ዘለዎም መሰል ብዘጉልሕ መንፈስ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብ ፔሩ፡ ማሕበረሰባት ማችኮ ፒሮ፡ ዘይርኣዩ ሓለውቲ ኣማዞን እዮም - ኣብዚ እዋን እዚ ህላወ እዞም ደቀባት እዚቶም ኣብ ከባቢኦም ማዕድን ብዘውጽኣ ኢንዱስትሪታት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ይንገር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ደቀባት ዝነብሩሉ መሬታት መዳርግቲ ዘይብሉ ሃብቲ ብዙሕነት ህይወት ዝሓዙ ኮይኖም፣ ሎሚ ልዕሊ 470 ሚልዮን ደቀባት ኣብ መላእ ኣስታት 90 ሃገራት ዝነብሩ ክኾኑ እንከለዉ፣ ካብ ዕላማታት - - ኣብ ነፍሲ ወከፍ 9 ነሓሰ ዝኽበርን ሎሚ ዓመት ኣብ “ደቀባትን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን፣ ምክልኻል መሰላት፡ ምቕራጽ መጻኢ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ኣብ ምክልኻል ከባቢ ዘተኮረ ከም ዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ማለት እውን ዋጋ ፍልጠት ደቀባት ኣብ ምዕቃብ ብዙሕነት ህይወት ምፍላጥን ጽልዋታት ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ምፍታሕን ማለት ምዃኑ የመላኽት።
11 Aug 2025, 15:17