ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ጥምየትን ዓጸቦን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ዘይውሕስነት መግቢ የጋጥሞ ከም ዘሎን፣ መብዛሕትኦም ሓረስቶት ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ዘይምርግጋእ ምኽንያት ቀንዲ ምንጪ መነባብሮኦም ዝኾነ መሬቶም ሓዲጎም ክወጹ ይግደዱ ከም ዘለዉን፣ በቲ ዘሎ ጉድለት ድሕንነት ገፈፍቲ ዓሳ እውን ከም እተተንከፉ ፊደስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፣ ጓሶት ምስ ማሎምን ገፈፍቲ ዓሳ እውን በቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ጸገማት ደሕንነት ተደሪኾም ካብ ቀላይ ጫድን ከም ኒዠርን ታራባን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ወሓይዝን ክርሕቑ ከም እተገዱ ኣመላኺቱ፣ ክልቲኦም ጕጅለታት በቲ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዕንወት ዘስዓቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ኰኑ ሸፋቱ ይሳቐዩ ከም ዘለዉን፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) እውን ክውንነት ናይቲ ስግኣት ኣረጋጊጹ፣ ኣብዚ ቅድሚ ቀውዒ ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ልዕሊ 30 ሚልዮን ናይጀርያውያን ኣብ ሓደጋ ዘይውሕስነት መግቢ ክወድቑ ከምዝኽእሉን፡ ቀይሕ መስቀል ድማ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት ረድኤት ጥራይ እኹል ክኸውን ከምዘይክእል የጠንቅቕ።
ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ዘይውሕስነት መግቢ ምልክት ናይቲ ዝዓሞቐን ዘይተፈትሐን ጸገም ምዃኑን፣ እዚ ድማ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝፍጸም ቀጻሊ ዓመጽ ዘስዕቦ ዘሎ ኵለ መደያዊ ጸገም ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ሃገር ውሽጣዊ ምዝንባል ዝድርኽ ዘሎ ጽልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እውን የጋድዶ ከም ዘሎ ይሕብር። ናይጀርያ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ድርቂ፡ ኣብ ምብራቕ ድማ ሓደጋ ውሕጅ የጋጥማ፡ እዚ ክልተ ጫፋት ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ እታ ሃገር የዕንው ምህላዉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።