MAP

ጉተረዝ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ይላቦ ጉተረዝ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ይላቦ 

ጉተረዝ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ይላቦ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እስራኤል ንከተማ ቓዛ ንምሓዝ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስርሒት ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረቦ ጻውዒት የሐድስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጉተረዝ እቲ መጥቃዕቲ “ብዙሕ ሞትን ዕንወትን” ከምዘስዕብ ኣጠንቂቑ፣ መራሕቲ እስራኤል ድማ ነቲ ወፍሪ ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ። እታ ልዕሊ 1 ሚልዮን ፍልስጥኤማውያን ዝነብሩላ ከተማ፡ ድሮ ንመዓልታት ጽዑቕ ደብዳብ ትጻወር ከም ዘላን፣ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ከም ዝሕብርዎ፡ ሓይልታት እስራኤል እናገስገሱ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ብዝሒ ዘለዎም ነበርቲ ይሃድሙ ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ነቲ ትካላት ረድኤት ድሮ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢሎም ዝገልጽዎ ኣዚዩ የዕምቖ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ሓማስ ነቲ ስርሒት ብምኹናን፡ እስራኤል ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ተኹሲ ደው ምባልን ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ ሸለል ትብሎ ኣላ ከም ዝበለን፣ ሓያሎ መሓዙት እስራኤል እውን ስክፍታኦም ይገልጹ ምህላዎን ክሕበር እንከሎ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ረቡዕ ዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ “ንኽልቲኡ ህዝብታት ሓደጋ ጥራይ ከስዕብ ከምዝኽእልን ንመላእ እቲ ዞባ ኣብ ዑደት ቀዋሚ ኲናት ከእትዎ ዝኽእል ሓደጋን ጥራይ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ፈረንሳ ጠቒሱ የረጋግጽ።

22 Aug 2025, 17:33