MAP

ህዝቢ ቓዛ ኣብ ሞንጎ ማዕበል ዋዒን ጥምየትን ህዝቢ ቓዛ ኣብ ሞንጎ ማዕበል ዋዒን ጥምየትን  (AFP or licensors)

ህዝቢ ቓዛ ኣብ ሞንጎ ማዕበል ዋዒን ጥምየትን

ኣብ ቓዛ ዝረአ ዘሎ ማዕበል ዋዒ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ጥሜትን ዓጸቦን የጋድዶ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ዝገደደ ኩነታት የጋጥሞም ኣሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማዕበል ዋዒ ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣድላይነታት ንምርካብ ዳርጋ ዘይከኣል ይገብር ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ነበርቲ ምስ ተጻብኦታት፡ ምምዝባልን ዕንወትን ይቃለሱ ከምዘለዉን ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሓገዝ ካብቲ ዘድሊ ኣዝዩ ትሕቲ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉን ተልእኾታት ረድኤት ድማ ምድንጓያት የጋጥም ከም ዘሎ ክሕብር እንከሎ፣ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ፡ ሰብኣዊ መሻርኽቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንመፍረ ጨው ማይ ባሕሪ ደቡብ ቓዛ ዘገልግል መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዕንወት ከም ዘጋጠሞን - እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንሳልሳይ ግዜኡ ዘጋጠም ዘሎ ምቑራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምዃኑ እቲ ትካል ሕብራት ሃገራት ከም ዝገለጸን፣ ኣስዒቡ እውን ኣብ መላእ ቓዛ ነፈርቲ እስራኤል ብዘካየዶ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ክሳራ ከምዘስዓበ የመላኽት።

ዕለት 8 ነሓሰ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ እስራኤል ንከተማ ጋቓ ክትቆጻጸር ዝወሰደቶ ውሳነ ዓቢ ሻቕሎት ከም ዘሕደረሉ ወሃቢ ቓል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፣ እዚ ስጉምቲ ሓደገይና ምዕባለ ግጭትን ውጥረትን ዘመልክት ኮይኑ፣ ነቲ ቅልውላው ዘዕምቖን ህይወት ናይቶም ዝተረፉ ጅሆታት ሓዊሱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣ ጉተረዝ እቲ ውሳነ ዝያዳ ምዝንባል፣ ሞትን ዕንወትን ከስዕብ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ስቓይ ህዝቢ ቓዛ ከምዘጋድዶን ከጠንቅቕ እንከሎ፣ እዚ ውጥን እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዙሕ ነቀፌታ የጋጥሞ ከም ዘሎን፣ ተቓወምቲ እቲ ናይ እስራኤል ውሳኔ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ፡ ንጻዕርታት ተኹሲ ደው ምባል ዘዳኽም እዩ ክብሉ እንከለዉ፣ መራሒ ናይቲ ኣብ እስራኤል ኣብ ስልጣን ዘሎ ጥሙር ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝቃወም ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ያየር ላፒድ ነቲ ውሳነ “ብዙሕ ተወሳኺ ሓደጋታት ዘስዕብ ሓደጋ እዩ” እንክብል ከም ዝገለጾ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Aug 2025, 15:19