ሰብኣውነትን ሓደጋ ኑክልየሳዊ ስርዓት ኣልቦነትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ" ናብ ኑክልየሳዊ ኩናት ቀሪብና ኣሎና ዝብል መጠንቀቕታ ዝሃበ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንበረ ጥበብ ዋሽንግቶን ናይ ታሪኽ መምህርን ዋና ሓላፊ ትካል ኑክልየሳዊ መጽናዕትን ፒተር ኩዝኒክ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መደብ ቶናለስታተ ኣብ እተሰምየ በቢ ዓመት ኣብ እዋን ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ መናብርተ ጥበብ ተረኺቡ ድሕሪ ዘስመዖ መደረ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ክኽኸውን እንከሎ፣ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍትሕን ሰላምን እናኣኽበረ፡ ንናይ ሎሚ ክውንነት ብባህላዊ ኣገባብ መልሲ ንምቕራብ ዝፍትን ዓውደ ጉባኤ፣ ለምዘበን ፍልይ ዘብሎ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ኣቶማዊ ደብዳብ ኣብ ዕልሊ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ዝካየድ ብምዃኑን ኣቃልቦኡ ኣብዚ ታሪኻዊ ዘሕዝን ፍጻሜ ዝገበረ እውን ምዃኑ ሓቢሩ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሎሚ ብቐንዱ ግን ከኣ ብፍሉይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣጽዋር፡ ነቲ ኣብ ዸም እናገደደን እናሰፈሐን ዝኸይድ ዘሎ ውጥረት ኣብ ግምት ብምታው ኩሉ ሰብ ናይ ሰላም ልኡኽ ክኸውን የተሓሳስብ።
ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናብ ኑክልየሳዊ ኲናት ቀሪብና ኣሎና፡ ካብቲ ኣብ 1962 ዝነበረ ቅልውላው ሚሳይል ኩባ ንላዕሊ ክበሃል ብዝከኣል ደረጃ። ኣብ መላእ ዸም ዝፍጸም ዘሎ እንተድኣ ርኢና። ግን ንኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝዓበየ ተቓውሞ ዘሎ ይመስል። ኣሜሪካውያን ምስ ቻይና ኲናት ‘እንተ- ተላዒሉ’ ብዝብል ኣመላኻኽታ ዝምራሕ ስልታዊ ኑክልየስዊ ኣጽዋር ናይ ምጥቃም መደባት ኣለዎም። ኣብዚ እዋን ግን ሕቡራት መንግስታት ጥራይ ኣይኮነትን በዚ ጉዳይ እዚ እትጥቀስ፣ ቻይና ኣብ መከላኸሊ 200 ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እያ ትምርኮስ ዝነበረት፤ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ከባቢ 600 ኣለዎ። ከምኡውን ምስቲ ዝተገልጸ ውጥናት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ቻይና ክሳብ 2030 ዓ.ም. 1000 ክሳብ 2035 ድማ 1500 ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክህልዋ እዩ ትብል። ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐት ዸም ኣስታት 70,000 ኑክልየስዊ ኣጽዋር ነይርዋ፤ ኣብ 2024 ዓ.ም. ናብ ከባቢ 13 ሽሕ ከነጉድሎም ክኢልና። ሕጂ ግን መብዛሕትአን ሃገራት መኽዘን ኑክለስያዊ ኣጽዋር ከዕብያ መደብ ኣለወን። ዓባይ ብሪጣንያ ብ40%። ቻይና ብዘስግእ መንገዲ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ከምኡ። ምምሕዳር ትራምፕ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ርኡይ ወሰኽ ክግበርን፡ ንኣጠቓቕማኡ ዝኸውን ደረት ክወርድን ይሓትት። ሩስያውያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣዝዩ ቀሊል ዝገብር ሓድሽ ንንክልየሳዊ ኣጽዋር ዘመሓድር ሕጊ ከም ዘጽደቐት ኣፍልጣ ኣላ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ከምኡ። ስለዚ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ዸም ሓደገይናን ኣስጋኢትን ኮይና ኣላ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ትሽዓተ ሃገራት ጥራይ እየን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን፣ ኩለን ድማ ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብምእዋን ዝያዳ ስሉጥን ቀታሊን ክኸውን ይገብራ። ካልኦት ብዙሓት ግዝኣታት ግን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክረኽባ ዝኽእላሉ መገዲ ይዝትያ፣ ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኮርያ 73% ህዝቢ እታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክህልዋ ይደሊ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዸም ጸረ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝኾነት ሃገር ጃፓን ናይታ ሃገር መራሔ መንግስቲ ሺገሩ ኢሺባ፣ ቶክዮ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትረክብ ኣለዋ ብምባል ኤስያዊ ኔቶ ክፍጠር ከም ዝጸወዐን፣ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እንተድኣ ኣማዕቢላ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ምስርን ቱርኪን እውን ናብኡ ገጸን ከብላ እየን። ስለዚ ኣብ ኣፍደገ ኑክልየሳዊ ስርዓት ኣልቦነት ክንርከብ ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ። ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ተወሳኺ እገዳ ድሕሪ ምግባሩ፡ ሕ.መ. ኣመሪካ ክልተ ኑክልየሳዊ ሰርጎድቲ ናብ ሩስያ ገጻ ክትሰድድ ምዃኑ ከም ዝገለጸን፣ ስለዚ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዸምና ኣብዛ መሬት ህይወት ከብቅዕ ናይ ምግባር ተክእሎ ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣለዉ፡ ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን፡ እንተኾነ ግን ሺ ጂንፒንግ እውን ክጽንበሮም ዝደሊ እዩ ዝመስል።
ኣብዚ እዋን እዚ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ኑክልየሳዊ ሰንሰለት ምእዛዝ እንተዝኣትው ኣዝዩ ሓደገይና ምኾነ፣ ሕ.መ. ኣመሪካን ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ካብቲ ኣቐዲሙ ዘጠንቅቐን ዝነበረ ስርዓት ናይ ሓሶት ምልክታት ዝረኸባሉ ኩነታት ማእለያ የብሉን። ኣብ መንጎ 1960ን 1979ን፡ ሕ.መ. ኣመሪካ ብዛዕባ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሓበሬታ ዝረኸበትሉ ብውሑዱ 7 ፍጻመታት ነይሩ። ድሕሪኡ ኣብ 1979ን 1980ን፡ ኣብተን ክልተ ዓመታት ጥራይ፡ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ናይ ሓሶት መጠንቀቕታታት ረኺባ እያ። ሩስያውያን እውን ተመሳሳሊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ዝረኸቡ እዩ ዝፍለፍጥ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኩነታት ብጥልቂ ዝፈተሹ፣ ነቲ ዝፍነው ዝነበረ ሓበሬታ ናይ ሓሶት ምዃኑ ዝረጋገጹ ሰባት ምህላዎም እዩ። ገሊኦም ሰባት ብሓቂ ኣብ ኑክልየሳዊ ኲናት ክዕወቱ ዝኽእሉ ይመስሎም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 20 ነሓሰ ክልተ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት ተሓቲሞም ንንባብ ቀሪቦም ነይሮም፡ ዴቪድ ሳንገር ኣብ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ሕ.መ. ኣመሪካ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ብሓንሳብ ኣንጻር ሩስያ፡ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ኑክልየሳዊ ኲናት ክትገብር ዘኽእላ መደብ ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ቡለቲን ኦፍ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስት ኣብ እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ፡ ገለ ኣብ ኑክልየሳዊ ውጥን ዝሰርሑ ሰባት፡ ክልሰ - ሓሳብ ኑክለሳዊ ኲናት ምዕጋት ከምዘይቅበሉን ኑክለሲያዊ ኲናት ክትቃለስን ክትዕወትን ከምዝከኣልን ከም ዝኣምኑን ዝገልጽ ጽሑፍ ወጺኡ ነይሩ: እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ እዩ፣ ኣብ ኒዩክልየሳዊ ኲናት ሰዓሪ ክህሉ ዘይከኣል እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመሪሕነት ከም ግብረ ገባዊ ተወፋይነት ገይሮም ክርእይዎ ተስፋ እገብር፣ ከመይሲ ፑቲን ንሩስያ እንደገና ዓባይ ኽገብራ ይደሊ ትራምፕ እውን ንሕ. መ. ኣመሪካ እንደገና ዓባይ ኽገብራ ስለ ዝደሊን ሞዲ ንህንዲ ሺ ጂንፒንግ ንቻይና ከምኡ። ብጀካ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብስም ፍጥረት ሰብን ናይ ሓባር ቤትናብ ዚዛረብ ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ከምኡውን ኣብ ክንዲ ሃገራውን ከባቢኣውን ዞባኣውን ረብሓታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ክንዲ ዅሉ ፍጥረት ዝዛረቡ ሰባት ብሓቂ የድልዩና ኢዮም። ነቲ መልእኽቲ እቲ ኽነመሓላልፎን ናብ ኩሉ ከነብጽሖን ኣሎና፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ፣ እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።