ምርጫ ርእሰ ብሔር ኣብ ቦሊቭያ ናብ ካልኣይ ዙር ከብል እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ወዲ ርእሰ ብሔር ነበር ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ቦሊቭያ ሮድሪጎ ፓዝ ንክርስቲያናዊ ደሞክሪያሳዊ ፖለቲካዊ ውድብ ወኪሉ ዝቐረበ ኮይኑ፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ዝበዝሐ ድምጺ ድሕሪ ምርካቡ፡ ርእሰ ብሔር ዘብሎ ድምጺ ብዘይ ምርካቡ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ምስ ርእሰ ብሔር ነበር ናጻዊ ፖለቲዊ ውድብ ዝውክል ጆርጅ “ቱቶ” ኪሮጋ ክወዳደር ከም ዝኾነ ዜና ቫቲክን ናይ ቦሊቪያ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣብቲ ሰንበት ዕለት 17 ነሓሰ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ፓዝ 32.8 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ኲሮጋ ድማ 26.4 ሚእታዊት ድምጺ ከም ዝረኸበን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ፓዝ ነቲ ኣብ ቦሊቭያ ኣብ ሓደ ወለዶ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ቝጠባዊ ቕልውላው ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሱር በተኻዊ መፍትሒ ይኹን ዘይምስምማዕ ከስዕብ ዝኽእል መደረ ከም ዘየቕረበን። ኣብ ክንድኡስ ተበጻሒ ልቓሕ፣ ምትብባዕ ክፍሊ ግብሪ፡ ንዞባታት ንምሕጋዝ ጸጋታት ካብ ክቱር ማእከላውነት ኣሰራርሓ ናጻ ምውጻእ፡ ከምኡ’ውን ምጥፋእ ብልሽውና ማእከለ ፖለቲካዊ መርሓ ግብሪ ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ቦሊቪያ ተወኪሱ ይሕብር።
እዚ ናይቲ ምርጫ ውጽኢት፣ ዳርጋ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ብኤቮ ሞራለስ ዝቖመ ናይቲ ብማስ (ሓፋሽ) ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ማሕበርነት ዘበጎሶ ርእየት ማሕበርነት ማእከል ዝገበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣካይዳ ቦልቪያ ከብቅዕ ዝገበር ብምዃኑ ታሪኻዊ ዝብል መገልጺ እውን ይወሃቦ ከም ዘሎን፣ ኣብቲ ዕለት 17 ነሓሰ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ሕጹይ ፖለቲዊ ውድብ ማስ (ሓፋሽ) ኤድዋርዶ ደል ካስቲሎ 3.2 ሚእታዊት ድምጺ ጥራይ ብምርካብ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ደው ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ዝዕወት ሰብ፡ ንዝውስኽ ዝቕባበ ዋጋታት፡ ጽዑቕን ሕዱርን ሕጽረት መሰረታዊ ኣቑሑን፡ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንካይ ዕቑር ባጤራን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ገበንን ክምክት ኣለዎ። እዚ ድማ ጸጋታት ብዝበለጸ ንምክፍፋልን እኹል ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ተጠቒምካን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ድኹምን ደው ዝበለን ዘሰንብድን ቁጠባ ንምድልዳልን ድሕሪኡ ንምዕባይን ዝሓትቶ ጥንቁቕን ተሃዋስን ፖለቲካዊ ኣካይዳ ርጉእ ኢድ ከድልዮ ምዃኑ የመላኽት።