ኣብ ላምፐዱዛ ሓንቲ መርከብ ብምጥሓላ እንተ ወሓደ 20 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ላምፓዱሳ ሓንቲ መርከብ ስደተይነታት ብምጥሓላ እንተ ወሓደ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻባት 27 ሰባት ሓለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ ሓለዋ ገማግም ባሕርን ዶባትን ኣመልኪቱ፣ ካብ 70 ክሳዕ 80 ዝዀኑ ሰባት ካብታ ዝጠሓለት ንእሽቶ መርከብ ስደተይናታት ከም ዝደሓኑ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሓንቲ 97 ዝዀኑ ስደተኛታት ዝሓዘት ንእሽቶ ጃልባ ንእተወሰነ ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ማያት ማከላትይ ባሕሪ ድሕሪ ምጕዓዛ፣ ብዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ገማግም ብሕሪ ላምፐዱሳ ምስበጽሐት ጠሓለት። ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ገና ይውስኽ ኢዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን ኣብዚ ኻብ ደሴት ሲስሊ ብደቡባዊ ምዕራብ 14 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማሕሪ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ሓደጋ መርከብ፣ እንተ ወሓደ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣቐዲሞም ዝወጹ ጸብጻባት ከም ዝሓበርዎ ካብ 70 ክሳዕ 80 ዝዀኑ ሰባት በቶም ናይ ኢጣልያ ኣካላት ሓለዋ ዶባትን ጋማግም ባሕርን ከም ዝደሓኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣስታት 27 ዝኾኑ ስደተይናታት ገና ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ። እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ተባሂሉ እተገልጸ ህይወት ኣድሕን ጻዕርታት ድማ ገና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ ። ሬሳታት እቶም ግዳያት ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ናብቲ ወደብ ክበጽሕ ድማ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ግን ድሮ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጺኦም ይርከቡ ኣለዉ።
14 Aug 2025, 13:28