ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ስምምዕ ሰላም ከቲሞም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ነቲ ብዸምለኻዊ ደረጃ ብናጎርኖ - ካራባክ ዝፍለጥ ዞባ ካራባክ ንምቁጽጻር ግጭት ከም ዘካየዳን፣ ብተደጋጋሚ ዘካየድኦ ግጭታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንሓደጋ ሞት ከም ዘቃለዐ ይንገር።
'ተኣLj'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ብቐጻሊ ይጣበቑ ከም ዝነበሩን፣ ዕለት 8 ነሓሰ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቶም ወገናት ኣብ ሓደ ክራኸቡ ኣብ ዝገበረሉ ዕለት እቲ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ግጭት 35 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ብሓቂ ነዊሕን ንክልትኤን ሃገራት ዘሳቐየን ሓንሳብ ንሓዋሩ ንኸወግዳ ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ መዳያት ዘራኽበንን ሓድሕደን ግዝኣታዊ ሉኣላውነታተን ከኽብራን ቃል ከም ዝኣተዋ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክም ሓቢረን፣ ኣብ ደቡብ ካውካሰስ ዝርከባ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ነንሕድሕደንን ምስ ኣሜሪካን ወሰንቲ መስመራት መጓዓዝያ ዳግማይ ክኸፍታ ስምምዓት ከም ዝኸተማ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ብሔር ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ፡ ትራምፕ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ ምስ ኣርመንያ ከም ዝተሰማምዐ ብምግላጽ፡ ነቲ ስምምዕ 'ኣገዳሲ ምዕራፍን ተኣምር' እንክብል ከም ዝገለጾን
ናይ ኣርመንያ መራሔ መግንስቲ ኒኮል ፓሺንያን ነቲ ፍጻሜ ታሪኻዊ ህሞት እንክብል ገሊጹ፣ "ሎሚ ኣብ ዝምድና ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ዝሓሸ ታሪኽ ንምጽሓፍ መሰረት ብምንጻፍ ኣብ ርኡይ ምዕራፍ በጺሕና ኣሎና። እዚ ንሃገራትናን ንዞባናን ንዸም እውን ዓወት እዩ ምኽንያቱ ዝያዳ ሰላማዊ ዞባ ማለት ውሑስ ዸም ማለት ስለ ዝኾነ። እዚ ድማ ጽኑዕ ሰላም እዩ" እንክል ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።