ጥምየት ቓዛ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እስራኤል እገዳታት ከተቋርጽ ጉጅለታት ረድኤት ይሓቱ
ኦክስፋም ኣተሰምየ ትካል ረድኤትን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰብኣዊ ትካላት፡ እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ እተካይዶ “ዕጡቕ ሰብኣዊ ሓገዝ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ተግባር ከተብቅዕ ዝጽውዕ ሓባራዊ መልእኽቲ ከቲሞም ወግዓዊ ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ሰብኣዊ ትካላት፡ ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት ጥምየት እናዓሞቐ ይኸይድ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቕርባ ትካላት ኩለን ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት እስራኤል ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ሕጊ ዘቕርቦ ጠለባት ዘየማልኣ እንተድኣ ኮይነን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምቕራብ ዝኽልክል ከም ዝኾነን ብመሰረት እቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ ልዕሊ 60 ሕቶታት ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምንጻጉ፡ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ዘለዉ ኣድላዪ ሓገዝን መድሃኒትን ንምቕራብ ከም ዘይተኻእለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ኣባይቲ ሕክምና መሰረታዊ ቀረብ ይውድእ ከምዘሎን፡ ንህጻናት፡ ኣረጋውያን ዓበይትን ስንኩላንን ሓዊሱ ተቓላዕቲ ህዝብታት ብጥሜትን ብቐሊል ክሓውዩ ብዝኽእሉ ሕማማትን ይሞቱ ከምዘለዉን እተን ትካላት ግብረ ሰናይ ኣፍሊጠን፣ እቲ መንግስቲ እስራኤል ዝደንገጎ ሃድሽ መምርሒ፣ ንሰብኣዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ዝገብርን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን እዩ እንክብላ ይሙግታ ምህላወን ክፍለጥ እንከሎ፣ ሰበስልጣን እስራኤል ግን ነቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ዘሎ ስጉምትታት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢድ ሓማስ ንኸይኣትው ዝከላኸል እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
15 Aug 2025, 15:15