MAP

2025.08.19 ኣፍሪቃውያን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድሚ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰብኣዊ ክብርታት ክዕቅቡ ይጽውዑ 2025.08.19 ኣፍሪቃውያን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድሚ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰብኣዊ ክብርታት ክዕቅቡ ይጽውዑ 

ኣፍሪቃውያን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድሚ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰብኣዊ ክብርታት ክዕቅቡ ይጽውዑ

ዳርጋ ሚእቲ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ካብ ዕለት 11 - 17 ነሓሰ ኣብ ኣክራ ጋና ሳልሳይ ካቶሊካውያን ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጥይናታት ሕብረት ኣፍሪቃ ዓውደ ኣኼባ ከም ዘካየዱን ኣፍሪቃውያን ጋዜጠይናታት "ኣብ እዋን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ መንጎ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለን ሰብኣዊ ክብርታትን ሚዛን ምዕቃብ" ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከም ዝመኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብናይ ኣፍሪቃ ካቶሊካውያን ጋዜጠይንታት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ማሕበር (UCAP) ዝተዳለወ ኣፍሪቃዊ መድረኽ፡ ስነ - ምግባራዊ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍን ክብርታት መሰረት ዝገበረን መራኸቢ ብዙሓን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኮይኑ፣ እዚ ማሕበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ተኣኪቡ ኣገደስቲ ጉዳያት የስተንትንን ይዝትይን ዓቕሚ ኣባላቱ ንምብርታዕ ኣሚቱ ዝተኻየደ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣዝዩ እዋናዊ ጉዳይ ዝዳህሰሰን ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ምዕባለ ዕደ ጥበብ ምዕቃብ ሰብኣዊ ክብርታትን ሚዛን ሒዙ ንቕድሚት ክስጉምን እንታይ ክግበር ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ዝፈተነ ዓውደ ኣኼባ እውን ምንባሩ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈት ኣብ ቀረባ እዋን ናይቲ ማሕበር ዋና ጸሓፊት ኮይና ዝተመርጸት ተወላዲት ሞሪሸስ  ማርቲን ላጆይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ተመላኽት።

ንሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ - AI

ሕጂ ዳርጋ ኣብ ኩሉ መዳያት ሞያዊ ህይወት፡ እንኮላይ ኣብ ጋዜጠይናነት፡ ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ሓድሽ ተበጽሖ ብምዃኑ፡ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይርጉጽነትን ፍርሕን ዝተሰነየ ከም ዝኸውን ማርቲን ገሊጻ፣ ተሳተፍቲ ዓውደ ጉባኤ ግዜ ወሲዶም ነዚ ጉዳይ እዚ ብዕምቆት ከም እተመያየጡሉን፣ ኩሉ ሰብ "ሓደስቲ ምዕባለታት ክስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ክፈልጥን፣ እዚ ድማ ነቲ ገሊኦም ከም መወዳድርቲ ደቂ ሰባት ዝቖጽርዎ ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወዲ ሰብ ዝውዕል መጋበርያ እዩ። ክርስትያናዊ ክብርታትና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብኸመይ ብትኽክል ከም እንጥቀመሉ ክንፈልጥ ይግባእ” ትብል።

ሕን͸ት

"ኣፍሪቃውያን ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣፍልጦ ክህልዎምን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ንኽስልጥኑ ልዑል ድራኸ ኣለዎም። ከመይ ጌርካ ብግቡእ ከም እትጥቀመሉ ንምፍላጥ ስልጠና ኣገዳሲ'ዩ . . . መሃዝነትና ዝሰርቕን ስንፍና ዘተባብዕን" ኣጠቓቕማ ከይትግበር ኣጠንቂቓ፣ ነዚ መሳርሒ ኣብ እንጥቀመሉ እዋን፡ ዘሎና ናይ ምህዞ ብቕዓት ዓቂብና ረብሓታቱ ብጥበብ ክንምጥቀመሉ ይግባእ፣ . . . ይኹን እምበር፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንቑሓት ምዃንን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ተበጽሖ ንምፍላጥ ግቡእ ስልጣና ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ'ውን "ነዚ ስልጠና ንምትብባዕን ነዚ ናይ ስልጠና ዕድል ንምቕራብን ጭቡጥ ተበግሶታት" ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ተዘኻኽር።

ግህሰት ምብዳን፣ ሞያዊ ብቕዓት ምዕቃብ

ኣብቲ ዓውደ - መጽናዕቲ ካብ ዝቐረቡ ኣርእስታት፡ ሕቶ ስነ - ምግባር ኣብ ኣጠቓቕማ ሓደስቲ እደ ጥበባት ዝብል ይርከብዎም። “ምስቲ ኣካል መዓልታዊ ህይወትና ዝኾነ ኣጠቓቕማ መርበብ ዝተኣሳሰር ግህሰት ከይተዘራረብና ሎሚ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና፡ ግዳይ ግህሰት ከይንኸውን ዘለና ሓላፍነት ክንፈልጥ፣ ሞያዊ ብቕዓት ክንዕቅብ ኣሎና። ካቶሊካዊ ጋዜጠይና፡ ነቲ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ተልእኾ ኣኽቢሩ ንቑሕን ሓላፍነት ዝስከምን ልኡኽ እዩ" ትብል።

ብተወሳኺ ብዛዕባ ልኡኻዊ ወንጌል ሸነኽ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናትት መራኸብታት ብሰፊሑ ከምዝተዘተየሉ ኣስሚራ፣ ስለዚ "ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ብሓቂ ሓደ ወረቐት ኣልዒሎም ዜና ምንባብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንዝዓበየ ረብሓ ኣብ ተልእኾ ምህላውን ምስ እተቐበልዎ ጸጋ ጥምቀት ናይ ምቅናዕን ጉዳይ ምዃኑ ብሓቂ ክግንዘቡ ኣለዎም።”

"ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዘተየ ሲኖዶስ ምስፋሕ

እዚ ዋዕላ እዚ ንሲኖዶስ ዳግማይ ንምድህሳስ እውን ዕድል ከምዝነበረ ማርቲን ሓቢራ፣ ተሳተፍቲ "ብዛዕባ እቲ ሲኖዳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣብ ምድንፋዕ" ዘለዎም ተራ ከምዝፈልጡ ኣስሚራ፣ ስለዚ ብቐዳምነት ኣብ ባህል ንኽሰርጽን ንኣንበብትናን ሰማዕትናን ንኹሎም ብሓላፍነትና ክንበጽሖም ዝተጸዋዕና ሰባትን ንኽፈልጡን ትሕዝቶ ናይቲ ሲኖዶስ ከስተንትንዎ ኣለዎም - ቢላ - እቲ ኣብ ኣክራ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ "ተልእኾ፡ ተኣማንነት፡ ሞያዊ ብቕዓት፡ ኣቓልቦ ንክርስቶስ፡ ተወፋይነት ንማሕበረሰብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅድሚ ኩሉ እታ ኣህጉር ዘጋጥማ ጸገማት ንኣፍሪቃ ምድጋፍን" ዝብሉ ጉዳያት ብኣጽንዖት ዘተመልከተ ምንባሩ ሓቢራ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

21 Aug 2025, 17:26