ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ እንኮ ክርስትያናዊ ሆስፒታል ሓኪም፡ 'ኲናት ሞት'ዩ!”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዝረአ ዘሎ ሰብ ዝፈጠሮ ጥሜትን ዓጸቦን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘጠንቅቐሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት መሰረታዊ ሕክምናዊ ቀረብ ኣብ ምርካብ ከቢድ ሕጽረት የጋጥሞም ከም ዘሎን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ እንኮ ክርስትያናዊ ቤት ሕክምና ኣል - ኣህሊ ዓረብ ዝሰርሕ ሓኪም ማህር ኣያድ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።
ኣሰቃቒ ኩነታት
ዝተዋደደ ምደባ ምዕራፍ ውሁድ ውሕስነት መግቢ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከተማ ቓዛ ጥሜት ኣሎ እንክብል ምስ ኣረጋገጸ፣ ናይዚ ዅሉ ጠንቂ እስራኤል ንቓዛ ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ዘንበረቶም መደብ ምዃኑ ዶክተር ኣያድ ኣነጺሩ፣ ሰባት “ዝኾነ ኣገልግሎት ዘይብሎም ኣብ ንኣሽቱ ቴንዳታት ይነብሩ ኣለዉ፣ ኤለክትሪክ የለን፣ ቀረብ ማይ የለን፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምግቢ ብዶብ ሰጊሩ እኳ እንተመጸ፣ እኹልን ነቲ ተፈጢ ዘሎ ስእነት መግዚ ብፍጹም ዝፈትሕ እውን ከም ዘይኮነ የረጋግጽ።
ውድብ ጥዕና ዸም ዕለት 27 ነሓሰ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘለዎ ቀታሊ ጽልዋታት ሓድሽ መጠንቀቕታ ከም ዘውጸአን፣ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ‘ማሕበረሰባዊ መኣዲ’ እተሰምየ ማሕበር ግብረ ሰናይ፣ ቅድሚ 10 መዓልታት ከምዝተኸፍተን ሕጂ ድማ ኣብ መዓልቲ 5 ሽሕ ሰባት ክምግብ ከምዝኸኣለን ይሕብር።
መብዛሕትኡ ኩሉ ዘድልዮ እዩ
ኣባይቲ ሕክምና እውን ዘጋጥመን ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ካብዚ ዝሓሸ ኣይኮነን። ዶክተር ኣያድ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣባይቲ ሕክምና ብህሙማን ከም ዘዕለቕለቐን ብሰንኪ ሕጽረት ቦታ ኣብ ቅርዓትን መተሓላለፍን ኣብ ባይታ ክሓድሩ ይግደዱ ከም ዘለዉን። ሕጽረት መሰረታዊ ኣፋውስ ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ ከም ሓኪም ክትጻወሮ ዘይከአል እዩ . . . "ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን መጥባሕቲ ዘድልዮም ብዙሓት ሕሙማት ስለ ዘለዉን ብዙሓት ሕሙማት ንኸስር። ስለዚ፡ ንመን ክንሕግዝ ከም እንኽእልን መን ዝሓሸ ናይ ምድሓን ደረጃ ከም ዘለዎን ክንመርጽ ንግደድ ኣሎና" ኢሉ።
ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት፡ ክብደት ናይቲ መጉዳእቲ፡ ከምኡ’ውን ድሩት መውሃቢ ኣገልግሎታትን መአንገዲ ህሙማንን፡ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ንኻልኦት ቦታ ንምሃብ ብኣግኡ ክወጹ ይግደዱ። ሓደ ሓደ ግዜ መተንፈሲ መሳርሒ ዝጥቀሙ እውን እንተኾኑ፡ ብኣግኡ ከቋርጽዎ ይግደዱ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ነቲ ቤት ሕክምና ከካይዱን ዝኽእሉ ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ሰራሕተይናታት እውን ሕጽረት ከምዘሎ ይሕብር። ኣብ ቤት ሕክምና ኣል - ኣህሊ ዓረብ ብርክት ዝበሉ ሓኻይም እኳ እንተሃለዉ፡ ክኢላታት ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። "ንሕና ክንገብሮ እንኽእል ንገብር፡ እቶም ዝተረፉ ሓካይም ግን ወይ ንኡሳን ሓካይም ወይ ናይቲ ቤት ሕክምና ሓኻይም ዝተፈላለዩ ክፍልታት ወይ ድማ ወለንተይናታትን ተማሃሮ ሕክምናን እዮም፣ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 600 - 700 ሕሙማት ናብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክሕከሙ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ፡ እቲ መጉዳእትን ብድሆታትን ዝተፈላለየ እዩ” ይብል።
ኩላትና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኢና ዘሎና
ካብ ጎረቤት ኣባይቲ ሕክምና ሓገዝ ናይ ምሕታት ኣማራጺ የሎን። "ኣብ ቓዛ ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና ዳርጋ ኩለን ከማና ብሕጽረት መሳለጥያ ኣብ ከቢድ ኩነት እየን ዝርከባ፣ እንተኾነ ቤት ሕክምና ኣል - ኣህሊ ምስተን ካልኦት ኣባይቲ ሕክምና ብምትሕብባር ነቲ ክቐርብ ዘለዎ ኣገልግሎት ኣብ ነንሕድሕዶም ብምክፋል ህይወት ሰባት ንምድሓን ንጽዕር። ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እቲ እንኮ ክርስትያናዊ ቤት ሕክምና ብምዃኑ፡ ኣል - ኣህሊ ምስ ሰብመዚ ጥዕና ብኸመይ “ንሳዕቤናት ናይዚ ውግእ ንምንካይ ይጽዕር” ኣሎ ኢሉ።
ሰላም ማለት ህይወት ማለት እዩ
“ኲናት ሞት እዩ፣ ሰላም ድማ ህይወት እዩ፣ ካብ ዝኾነ ሃይማኖት ይኹን ከተሕውዮም እትኽል ህሙማን ክንከስሮም እንኮለና ይቕረታ ንሓትት፣ ተወሳኺ ደም ምፍሳስ ከይህሉ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደው ክብል ብህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ ማሕበረሰብ ዸም ነቲ ኣብ ዞባና ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል እሓትት፣ ኲናት ኣዕናዊ እዩ፣ ውግእ ሞት እዩ፣ ሰላም ድማ ህይወት ማለት እዩ” እዚ ድማ ኣብ ቓዛ ጥራሕ ዘይኮነን፣ ንፍልስጥኤማውያን፡ እስራኤላውያንን ኣብ መላእ ዸም ንዝርከቡ ህዝብን ኲናት ክይህሉ ምግባር ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሑ፣ “ሰላም ክህልወናን ብሓንሳብ ክንነብርን ንደሊ፡ እግዚኣብሔር ድማ ንመራሕቲ እዚ ከባቢ እዚ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደው ከብሉ ጥበብ ክህቦም ንጽሊ” እንክብል ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።