ረድዮ ቫቲካን ኣብቲ ኣብ ከተማ ለንደን እተገብረ ዋዕላ ፈነወታት ኣውሮጳ ክትሳተፍ ኢያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ዕለት 2 ክሳዕ 4 ሓምለ ከተማ ለንደን መበል 94 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕብረት ፈነወታት ኣውሮጳ (ኢ. ቢ. ዩ.) ከተአንግድ ኢያ፣ እዚ ኸኣ ቀንዲ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ኣውሮጳ ኢዩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ማእከላ ቤት ጽሕፈት ትካል ፈነወ ብሪጣንያ (ቢቢሲ) ክካየድ ኢዩ፣ ካብ ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ከኣ ምርኡያት ኣካላት ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም። ረድዮ ቫቲካን በቲ ምክትል ዳይረክተርን ኣሰናዳኢን መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ዝዀነ ኣሌሳንድሮ ጊሶቲ ተወኪላ ኣብቲ ጉባኤ ክትሳተፍ ኢያ።
ኣብ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ዝካየድ ዘሎ ዓብዪ ጉባኤ
እዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፍሉይ ኣገዳስነት ኢዩ ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መበል 75 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ማሕበር ፈነወታት ኣውሮጳ ይካየድ ብምህላዉ ኢዩ። ማሕበር ፈነወ ህዝባዊ ኣገልግሎት ከም ሓደ መድረኽ ኰይኑ እተመስረተት ብምዃኑ፣ ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝመጻ 112 ውድባት ዝሓቁፍ ኣብ ኣውሮጳ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕርን ሰሜን ኣፍሪቃን ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከባ ማእከላት መራኸቡ ብዙሓን ውን ዘሳትፍ ኢዩ። ከም ቢቢሲ፡ ራይ፡ ተሌቪዥን ፈረንሳይ፡ ከምኡውን ረድዮ ቫቲካን ዝኣመሰላ መስረትቲ ኣባላት ኣብዚ ማሕበር እዚ ኣገዳሲ ግደ ኻብ ምፍጻም ኣየቋረጻን ዝለዋ። ረድዮ ቫቲካን ብ አለክሳንድሮ ጊሶቲ ኣቢላ ኣብቲ ኣብ ከተማ ለንደን ዝካየድ ጉባኤ ምስታፋ ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምትሕብባር ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ንዘካየድዎ ዘተን ቘራጽነትን ዜረጋግጽ እዩ።
ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ጉባኤ ጋዜጠኛታትን ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓንን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኩነታት ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዜጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ኸቢድ ብድሆታት ክሜምዩ ኢዮም። ገለ ኻብቲ ጕዳያት ድማ ጽልዋ ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንናጽነት መራኸቢ ብዙሓን ዚከላኸለሉ መገዲን፣ ምስ መርበብ ሓበሬታ ምቅላስን ከምኡውን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ተክኖሎጂ ውሕዘት ውን ኪጥቀስ እዩ።
ምሕበር ፈነወታት አውሮጳ፦ ዓንዲ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ሓድሽ ምህዞታትን
ማሕበር ፈነወታት ኣውሮጳ ን75 ዓመታት ቀንዲ ክብርታት መራኸቢ ብዙሓንን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ንምድንፋዕን ሓባራዊ ጥቕሚ ንምርካብን ተክኖሎጅያዊ ምህዞ ንምስሳንን ተወፈዩ ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ተበግሶታቱ ናይ ዩሮቪዥን ናይ መዝሙር ውድድር ከምኡውን ናይ ዩሮቪዥን ምልውዋጥ ዜናታትን ዝበሃል፣ ንኣባላት ፈነወታት ዜና ንምክፋል ዘኽእል መድረኽ ኢዩ። ጉባኤ ለንደን ንኸም እኒ ኤለክትሮኒካዊ ለውጢ ዝኣመሰለ ቀዋሚ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ግጉይ ሓበሬታ ምቅላስ ከምኡውን ፈነወ ዜናታት ኣብታ እናሰፍሐት እትኸይድ ዘላ ዸም ማሕበራዊ ሓድነት ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎም ግደ ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ክዝቲ ኢዩ።
ተልእኾ ወንጌላዊ ድምጺ ረድዮ ቫቲካን
ረድዮ ቫቲካን ካብ እተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ማሕበር ፈነወታት ኣውሮጳ ካብ ዘለዎ ተሳትፎን፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ኣብ ሳንታ ማሪያ ዲ ጋለርያ ዝርከብ ማእከል መራኸቢ ኣንቴናታት ረድዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ነዚ ተጸምዶ እዚ ኣጕሊሑ ኢዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ሚስዮናዊ ዀይኖም ኣብ ዚዓየሉ ዝነበሩ እዋናት፣ እቲ ሓጺር ማዕበል ፈነወ ረድዮ ቫቲካን ኣገዳሲ ምንጪ ርክባት ከም ዝነበረን ካልኦት ፈነወታት ዜና ኼመሓላልፉ ኣብ ዘይክእሉሉ ቦታታት ከም ዝበጽሕን ዘከሩ። ልኡካነ ወንጌል ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወቱሉ መትረብ ኣብ መላእ ዸም ተስፋን ሓቅን ንምምጻእ ከም መሳርሒ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ውን ኣረጋገጹ።