ቤት ፍርዲ ው. ሕ. ሃ. ብዛዕባ ግዴታታት ኣካባቢያዊ ኩነታት ዝእግድ ታሪኻዊ 'ውሳነ' ኣመሓላሊፉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ተጣበቕቲ ለውቲ ዅነታት ኣየር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወጻኢ እቲ ኣብ ሃግ ዚርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "እዋናዊ ፍትሒ ክሊማ" ኸምኡውን "መደምደምታ ዘይቲ ነዳዲ" ዚብል ጭርሖታት ሒዞም ናይ ስምዕታ ሰልፊ ኣካየዱ።
እቲ ክመሓላለፍ እተመደበ "ምኽሪ ዝህብ ርእይቶ" ነቲ ኣብ መላእ ዸም ዘጋጠም ዝለኦ ቕልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው ስጕምቲ ንምውሳድ ሕጋዊ መዓቀኒታት ክሰርዕ ስለ ዝኽእል ከም ሓደ ታሪኻዊ ፍጻሜ ገይርካ ኢዩ ዝርአ ዝንበረ።
ብፍላይ እተን ኣብ ትሕቲ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብራኸ ማያት ባሕሪ ኸይጠፍኣ ዚፈርሃ ተነቀፍቲ ደሴታት ንሓያሎ ዓመታት ከም መዘናግዒ ቦታት ኮይነን ድሕሪ ምጽናሕ ዝመጽእ ዘሎ ክስተት ኢዩ። ስለዚ ብ2023 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕጋውን ፖለቲካውን ክብደት ስለ ዘለዎ ቀያዲ ዘይኰነ ግናኸ ኣገዳሲ መሰረት ኣህጉራዊ ግዴታታት ዝዀነ ምኽሪ ኺህብ መሕትት ኣቕረበ፣ ክኢላታት ሥነ ኣከባቢ ከኣ ኣብ መጻኢ ንዘጋጥም ጕዳያት ኩነታት ኣየር ዕሽሽ ኪብሎ ኸም ዘይክእል ይገልጹ።
15 ደያኑ ዝሓዘ ሓደ ጕጅለ ንኽልተ ሕቶታት ኪምልስ ድማ ተመዘ ። ቀዳማይ፣ ሃገራት ንክሊማን ኣከባብን ካብቲ ንደቂ ሰባት ዜምጽእ ጋዛትን ኣብ ምስውሳኽ ሙቐትን ምድሪ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ዘሎ ኩነታን ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ እንታይ ኪገብራ ከም ዘስገድደን? ካልኣይ መንግስትታት ተግባራተን ወይ ስጕምቲ ዘይምውሳደን ንኩነታት ኣየርን ኣከባብን ኣጸቢቑ ኺጐድኦ ኸሎ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤን ኢዩ ዘምጽእ ዘሎ? ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም ዝንበሩ።
ውዕል ኮፕ15
ብ2015 ዓ.ም. ኣብ መደምደምታ እቲ ኣብ ፓሪስ እተገብረ ዋዕላ ኮፕ15 ልዕሊ 190 ሃገራት ንሙቐት ዸም ናብ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ደረት ንምግባር ጻዕሪ ኺገብራ ቍርጺ ፍቓድ ከም ዝገብራ ዝዝከር ኢዩ።
ሓደ ኻብቲ ነዚ ወሳኒ ዋዕላ እዚ መሰረት ዝዀኖ ጽሑፋት ከአ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ " ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ታሪኻዊ ዓዋዲ መልእኽቶም ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብኡ ኸኣ ንመራሕቲ ዸም "ንኣውያት ምድርን ንኣውያት ድኻታትን ክስዕብዎ" ለበዋ ብምምሕልላፍ ስነ-ፍልጠታውን ስነ-መለኮታውን መርትዖታት ተጠቕሙ።
እንተዀነ ግን እዚ ስምምዕ እዚ ብዙሕ ኣኽብሮት ኣይረኸበን ዘሎ፣ ብሰንኪ እዚ ምምካኽ በረድ፡ ምውሳኽ ሙቐት፡ ምጥልቕላቕ ማይ፡ ድርቂ፡ ኣዕናዊ ባርዕን ከምኡውን ምውሳኽ ማያት ውቅያኖሳትን ዘስዓቦ ቅልውላው ኵነታት ኣየር ንምንካይ ንዕቤት ናይቲ ንዸምለኻዊ ሙቐት ኣስተዋጽኦ ዝገብር ዘሎ ሓደገይና ጋዛት ክዓግትኦ ኣይከኣላን ዘለዋ።