በቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝቘሰለ ካቶሊካዊ መንእሰይ፡ "ፍቕሪ ኻብ ውግእ ዝሓየለት እያ" በለ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ቆሞስ ቃዛ ዝኾኑ ክቡር ኣባ ፎማኔሊ፣ ንኣደ እቲ መንእሰይ ራንዳ ጋዜጠይናታት ዜና ቫቲካን ከም ዝበጽሕዎም ሃቢሮምዋ እኳ እንተ ነበሩ፣ መንእሰይ ሱሄል ግን ፍሽኽታን ድንጋጼን ሰላም ክብል ኢዩ እተቐበሎም።
"ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ሮሜ ወይ ቃዛ ሰላም ምስ ሰፈነ ኸም እንራኸብ ብዙሕ ሳዕ ተዛሪብና ኔርና። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብቲ ኣብ ኣሽዶት እስራኤል ዚርከብ ሆስፒታል ክንራኸብ ኢና ኢለ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ" ክብል ውን ገለጸ።
እቲ ሓሙስ ንግሆ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ብዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ኸቢድ መጉዳእቲ ዝወረዶ ኻብ ቃዛ ዝመጸ መንእሰይ ተማሃራይ በታ ምሸት እቲኣ ናብ ሆስፒታል እስራኤል ተወስደ፣ ከመይሲ ኣብ ቃዛ ምንም ግቡእ ክንክን ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ ዝንበረ።
ገጹ ይሳቐ ከም ዘሎ ዘርኢ እኳ እንተ መሰለ፣ ብተስፋ ግን ተመሊኡ ኢዩ ዝንበረ። ኵሉ እቲ ዘቝሰሎ እስኩጆታት ድሕሪ ምውጽኡ፣ ውሽጣዊ ህዋሳቱ እኳ እንተ ተጐድአ ጽቡቕ ምምሕያሽ ግን የርኢ ኣሎ።
"ሰላም ናብ ቃዛ ኺምለስ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብታ ዘሕተምክዋ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ዝጸሓፍክዎ፣ ፍቕሪ ኻብ ውግእ ዝሓየለት እያ" በለ። ብእተወሰነ ጸገም ብዛዕባ መጻኢ ተስፋታቱ ባህግታቱ ብዛዕባ መጻኢ ዝሓሰቦ መድባት ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጕዕዞ እምነትን ዝገብሮ ዘሎ ኣስተንትኖታትን ክምስክር ውን ክኢሉ ኢዩ፣ ነዚ ድማ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ኣብ ዝዝርጋሕ ሕታም ጋዜጣ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ክሕተም ኢዩ።