MAP

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ኩነታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ኩነታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ  (AFP or licensors)

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ኩነታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ

ኣብ ሱዳን ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ሕጽረት መግብን ጽሩይ ማይን ዘስዕበላ ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታት ብዝምልከት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ መጠንቀቕታታቱ የሐድስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝኾነት ከተማ ኤልፋሸር ዳርጋ 40 ሚእታዊ ካብ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ህጻናት ብሕዱር ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉን፣ ካብዚኦም እቶም 11 ሚእታዊ ከቢድ ሕዱር ሕጽረት መግቢ ከምዘለዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘረጋገጸን፣ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ዕለት 7 ሓምለ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ብግጭት ዝተሃስየት ከተማ ዝተረፉ ሰባት “ኣዝዩ ሕጽረት” መግብን ጽሩይ ማይን የጋጥሞም ከምዘሎ ገሊጹ፣

ትሕቲ ቅርጺ ኣገልግሎት ማይ እታ ከተማ ብሰንኪ ዝተናወሐ ጽገናን ሕጽረት ነዳዲን ዓንዩ ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኾነን፣ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ምልሻታት ዝተኻየደ ግጭት እቲ ዝኽፈአ ውግእ ዝተኻየደላ ከተማ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ኣስታት 780 ሽሕ ሰባት ካብታ ከተማን ካብታ ኣብ ጥቓኣ ካብ እትረክብ ከተማ ዛምዛም እውን ከም ዝሃደሙን ካብዚኣቶም ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን እዛ ዓመት እዚኣ ዝተመዛበሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ነበርቲ ከተማ ዛምዛም ናብ ከባቢታት ታዊላ ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ከም እተዋፈሩን ኩነታት ኤል ፋሸር ብሰንኪ ጉድለት ኣገልግሎት ማይን ጽሬትን ንከቢድ ቀታሊ ተምላስ ንዘስዕብ ከቢድ ለበዳ ሕማም ሽሮኽ ተቓሊዓ ከም ዘላ ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዘመላኸተን፣ ሱዳን ካብ ምጅማር 2025 ኣትሒዙ ልዕሊ 32 ሽሕ ብሕማም ሽሮኽ ዝተጠቕዑ ክህልዉ ይኽእሉ ዝብል ግምት እውን ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ግዝኣት ደቡብ ዳርፉር ኣስታት 30 ዝግመቱ ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝሞቱ እንከመላኽት፣ ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስዒቡ "ግጭትን ምፍራስ ትሕተ ቅርጽን ንዝርጋሐ እቲ ሕማም ዝድርኽን ንጻዕርታት ምላሽ ዘተዓናቕፍን” ምዃኑ እንከመላኽት፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ቅልጡፍ ደገፍ ሓይልታትን ዝተባርዕ ግጭት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ ከም እተመዛበሉን፣ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ካብቲ ግጭት ንምህዳም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም እተሰዱን ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረጋግጽ።

09 Jul 2025, 15:48