MAP

ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ክህሉ ይጽውዑ ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ክህሉ ይጽውዑ 

ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ክህሉ ይጽውዑ

ኣብ ደቡቡ ሱዳን ዓመጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን መራሕቲ ቤተክርስትያን ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ስጉምትን ተሓታትነትን ይጠልቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ካብ ዕለት 7 - 11 ሓምለ ኣብ ጁባ ዘካየድዎ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ጳጳሳት ደቡብ ሱዳን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ዘጉልሕ ሓያል መግለጺ ከም ዘውጽኡን፣ እዚ ድማ ሰፊሕ ዓመጽ፡ ቁጠባዊ ጸገም፡ ምፍራስ ሰብኣዊ ሓለዋታት ዘጉልሕ ኮይኑ፣ ማሕበረሰባት መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ድብያ፡ ምጭዋይን ጾታዊ ዓመጽን ከጋጥሞም ህጻናት ብዕጡቓት ጉጅለታት ክምልመሉን፡ ጃምላዊ ምዝንባል ክቕጽልን ኣባይቲ ስድራ መግቢ፡ መዕቆቢ ወይ ክንክን ጥዕና ከይረኽቡ ይገብር ምህላዉ ብምምልካት፣

“ደቡብ ሱዳን ክሳብ ሕጂ ዝተጻወረቶ ስቓይ ኣይኣክልን ድዩ?” እንክብሉ እቶም ጳጳሳት ሃገሮም ካብ እዋን ናጽነት ጀሚሩ ዝቅጽል ዘሎ ዑደታት ግጭት ዘሕድረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም፣ “መራሕቲ ካብ ሃገራዊ ሰናይ ሂወት ንላዕሊ ንውልቃውን ውድባውን ረብሓታት ቀዳምነት ይህቡ ኣለዉ - ቢሎም - እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ ንምትግባር ፖለቲካዊ ድሌት ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ እዩ” ከም ዝበሉ ናይ ደቡብ ሱዳን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ንምፍታሕ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ጳጳሳት ሱዳን ኣብ መግለጺዖም ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ምዕባለታት ዘሕድረሎም ዘሎ ስክፍታ ኣጒሊሖም፣ ዕለት 8 ሓምለ ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ንሓላፊ ሰራዊት ካብ ስርሑ ከም ዝሰጎጎን እዚ እውን ድሮ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት እታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዘበረኾን ኣብ ምዕራባዊ ኢኳቶርያ እውን ዓመጽ ተላዒሉ ኣሽሓት ሰባት ከም እተመዛበሉን ምስ ተቓወምቲ ዝተሰለፉ ኣመሓደርቲ ዒላማ ዝገበረ ተኸታታሊ ግብረ ምጽናት ይፍጸም ምህላዉ፣ እዚ ኹሉ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ክጋደድ ይገብር ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ፣ ብዓመጽ ገበናት ዝተፈርዱ ሸሞንተ ሰባት ካብ ኣመሪካ ናብ ጁባ ድሕሪ ምስጓጎም፡ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ንሓጺር እዋን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተመልሰ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ስቡር ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ሰፊሕ ነቐፌታ ይቐርብ ከም ዘሎን ኣብዚ ዕግርግር እዚ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ዓመጽ ብቕልጡፍ ደው ክብል፡ ውሑስ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሀልው መተሓላልፎ ክፍጠር፡ ንረድኤት ዝኣትን ንበረት ኩሉ ካብ ግብሪ ነጻ ክግበር፡ ከምኡ’ውን ናይ ረድኤት ትካላት ሓገዝ ንምቕራብ ክንቀሳቐሳ ፍቓድ ክረኽባ እውን ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፣ በዓል ናጽነት ናይ ህዝቢ ተወፋይነት ዝኽበረሉ ምዃኑ እውን ጳጳሳት ሱዳን ኣዘኻኪሮም፣ ነባሪ ሰላም ግን ሓቀይና መሪሕነትን ዝተሓደሰ ተወፋይነት ንፍትሕን ዕርቅን ከም ዝሓትት ኣነጺሮም፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ “እዋኑ ግዜ ምልዋጥን ምሕዳስን እዩ . . . ግርጭታት ገዲፍና ናብ ሓድሽ መንገዲ ንምእታው ዕድል እዩ - ቢሎም - እቲ መንገዲ፡ ሕጂ ክጅምር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

16 Jul 2025, 16:10