MAP

ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ፓኪስታን ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ፓኪስታን  (AFP or licensors)

ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ፓኪስታን

ኣብ ፓኪስታን ብርቱዕ ዝናም ይሃርም ምህላዉን እዚ ድማ ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ሰፊሕ ገጠራትን ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዝፈጠረን፣ እዚ ተርእዮታት እዚ ብዙሕ ሞትን መጉዳእትን የስዕብ ምህላዉን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ጥራይ 57 ሰባት ከም ዝሞቱ ምንጭታት ፓኪስታን ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ ሞንሱን፡ ብውሕዱ 24 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 60 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣብታ ኣብ ፓኪስታን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ዞባ ፑንጃብ ብቐጻሊ ይዘንም ምህላውን ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ሰፊሕ ገጠራትን ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዘስዓበን፣ ኣብ ሰሜናዊ ንኡስ ዞባ ቺላስ ብዝተፈጥረ ምዕልቕላቕ ማይ ብውሕዱ ሰለስተ ሕጻናት ክሞቱ እንከለዉ፣ ካልኦት 15 ድማ ደሃዮም ገና ከም ዘይተረኽበን ብመሰረት ጸብጻባት በዓል መዚ ሃገራዊ ምሕደራ ሓደጋ፡ ዝበዝሑ ሓደጋ ሞት ብሰንኪ ምፍራስ ህንጻታት ዘጋጠመ ኮይኑ፣ ኣብ ፓኪስታን ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ተለዋዋጢ ማዕበል ሙቐትን ውሕጅን ይረአ ምህላዉን፣ ሓያሎ ናይ ስነ - ፍልጠት ኣካላትን ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ነዚ ፍጻመታት ምስ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር የተሓሕዝዎ። "እቲ ውሕጅ ኣባይትን ናይ ሕርሻ ምህርትን ከም ዘዕነወን መራኸቢ መገድታት እውን ከም ዘፍረሰን ሰራዊት ፓኪስታን መገድታት ብምቁራጹ ተነጺሎም ንዝነበሩ ሰባት ንምውጻእ ሄሊኮፕተራት ከዋፍር ከም እተገደ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ፓኪስታን ጠቒሱ የመላኽት።

ካልኦት ግዳያት

ብርቱዕ ዝናብ ሞንሱን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ንፓኪስታን ክሃስያ ጸኒሑ እዩ፡ ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ሰብኣውን ቁጠባውን መዳያት ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ መላእ ፓኪስታን ዓሰርተ መዓልታት ብርቱዕ ዝናምን ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ከምዘጋጠመን ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱን ኣማኢት ድማ ከምዝቖሰሉን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ምኽትል ዳይረክተር ክፍሊ ስነ ኩነታት ኣየር ፓኪስታን ኢርፋን ቪርክ ፡ "ትንበያታት ከምቲ ኣብ 2022 ዘጋጠመ ኣዕናዊ ውሕጅ ዝኣመሰለ ጽንኩር ፍጻመታት ብተደጋጋሚ ከጋጥም ከም ዝኽእል የመላኽት” ከም ዝበለን፣ ኣብ 2022 ብርቱዕ ዝናብ ንሲሶ ክፋል እታ ሃገር ከም ዘዕለቕለቐን ልዕሊ 1700 ሰባት ንሓደጋ ሞት ከም ዘቃለዐን ልዕሊ 33 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ክሳራታት ከም ዘስዓበን እውን የዘኻኽር።

ጽልዋ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር

ብመሰረት ዸምለኻዊ መዐቀኒ ሓደጋ ከባቢያዊ ኣየር፣ ፓኪስታን ንምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ዝርዝር ኣዚየን ተቓላዕቲ ሃገራት ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ክም ዘላን፣ እዚ ድማ እናኸበደ ዝኸይድ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ከጋጥማ ተኽእሎታት ዘሎ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ጠቕላላ ብዘጋጠመ ውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይን ዘጋጠመ ኪስራ 12.7 ቢልዮን ዩሮ ክግመት እንከሎ፡ ውሕጅን ደርቅን ስሩዕ ተርእዮ ኮይኑ ከም ዘሎን፣ ኣብ ፓኪስታን እዚ ኩነታት ኣየር እዚ ዓመታዊ ዘጋጥም ከም ዝኾነን፣ ስለዚ ኣገዳስነት ንምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝጻወር ውጥን ሰፈራ ምልላይን ንለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ግምት ዘእትው ውጥን ልምዓት ምሕንጻጽ ወሳኒ ምዃኑ ይሕበር።

ምምሕዳር ዘይምኽኣል

ፓኪስታን ካልእ ናይ ከተማ ውጥንን ምሕደራን ብድሆ እውን ከም ምዘጋጠማን፣ ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ርእሰ ውጥንን ትልምታት ልምዓት ከተማን ዝተዳለወ እውን እንተኾነ፣ ሕጋውን ምምሕዳራውን ቅርጽታት ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ ክረጋግጽ ከም ዘይተኽኣለ ክንገር እንከሎ፣  ዕለት 7 ሓምለ እዚ ኣገባብ ውጥን ከተማ ምስ ከቢድ ኩነታት ኣየር ተደሚሩ፡ ሓደ ህንጻ ክፈርስ ብምግባር 27 ሰባት ከም ዝሞቱን፣ እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ፓኪስታን ምፍራስ ህንጻታት ብተደጋጋሚ ዝረአ ምዃኑ እዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻመ ኣብ ካራቺ ርእሰ ከተማ ደቡባዊ ዞባ ሲንድ ሓደ ህንጻ ፈሪሱ 22 ሰባት ምሟቶም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብዘይ ለውጢ፡ ጽልግልግ ዝበለ መጻኢ

ብዕለታዊ ኣነብብራ ሰብ ዝመጽእ ዋዒ፡ ዝናም ንኽብርትዕ ኣበርክቶ ከም ዝገብርን፣ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ "ናይ ሞንሱን ዝናም እናቐጸለን ደረጃ ማይ እናወሰኸን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ብዙሓት ህጻናት ካብ ምጥሓል ክሳብ ምፍራስ ኣባይቲ፣ ካብ ምውሳኽ ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክሳብ ብኤሌክትሪክ ምውቓዕ ሓደጋ ሞት የጋጥሞም” ክብል እንከሎ፣ ሕጂ ተመራመርቲ ስነ - ፍልጠት፡ ብርቱዕ ምምሕያሽ እንተዘይተገይሩ፡ እቲ ኩነታት እናገደደ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Jul 2025, 16:02