ምግልባጥ ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓንቲ ስደተይናታት ዝጓዓዙላ ዝነበረት ንእሽቶ ጅልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ከም እተግልበጠትን ሓንቲ ኣደን ህጻን ወዳን ከም ዝሞቱን 5 ድማ ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተረኸቡን ካልኦት እቶም ዝተረፉ ሰማንያን ሸውዓተን ብናይ ኢጣሊያ ሓለዋ ገምግም ባሕሪ ተሓጊዞም ብሰላም ላምፐዱዛ ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፣ ወሃቢ ቃል ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት ፍላቪዮ ዲ ጃኮሞ “ነተን ስደተይናታት ጽዒነን ዝጓዓዛ ጀላቡ “ዝንቀሳቐሳ ናይ ሬሳ ሳጹን” እንክብል ገሊጹ፣ እቶም ስደተይናታት ካብ ቱኒዝያ ዝነቐሉ ምዃኖም ከም ዝረጋገጹ የመላኽት።
ድሕድሪ እዚ ፍጻመ እዚ ብተወሳኺ ሰማንያ ስደተይናታት፡ ካብኣቶም ቆልዑን ነፍሰጾር ኣዴታትን ዝርከብዎም ካብ ሊብያ ዝነቐሉ፡ ድሒሮም ኣብ ላምፔዱዛ ከም ዝኣተዉን ዲ ጃኮሞ ሓቢሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎ ልኡካን መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡን ተቓላዕትን ካብ ዘይተወልዱ ክሳብ ኣረጋውያን ካብ ዝሓመሙ ክሳብ ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩን፣ ዜጋታትን ስደተይናታትን ብማዕረ ሰብኣዊ ክብሪ ንምርግጋጽ ካብ ምጽዓር ነጻ ዝኾነ ሰብ የለን” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ንተመዛበልትን ስደተይናታትን ሓገዝን ቅርበትን ክህሉ ከም ዝጸውዑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፣ ካብ 2014 ጀሚሩ ልዕሊ 25 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንምብጻሕ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝሞቱን ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 1810 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ኣስታት 542 ሓደጋ ምግልባጥ ጀላቡ ከም ዘጋጠመን፣ እዚ ቁጽርታት እዚ ጥራይ ነቲ ንሓባራዊ ሕልናና ዝቐርብ ጻውዒት ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ጭብጥታትን ሰብን ኣባይቲ ስድራን መጻእን ከም ዝውክል መዓልታዊ ዘዘኻኽር ምዃኑ ዲ ጃኮሞ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዘጒለሐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።