MAP

ኬንያ፡ ሓድሽ ወጥሪ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዋና ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይሮቢ ኬንያ፡ ሓድሽ ወጥሪ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዋና ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይሮቢ 

ኬንያ፡ ሓድሽ ወጥሪ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዋና ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይሮቢ

ኣብ ኬንያ ድሕሪ’ቲ ዕለት 25 ሰነ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስዒቡ ዝተፈጥረ ወጥሪ እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎን ዕለት 6 ሓምለ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት (KHRC) ብምእታው ነቶም ኣብ ኬንያ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፣ ግዱድ ምቕታልን ካብ ፍርዲ ወጻኢ ምቕታልን ዝኣመሰሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዘቃልዑን ዝኹንኑን ተሓተቲ ንፍርዲ ክቐርቡ ዝጸውዕ ኣባላት ኩሎም መጥቃዒ ከም ዝፈጸሙ ይንገር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 7 ሓምለ 1990 ደሞክራስን ፍትሕን ዝተጠልብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝኽሪ መበል 35 ዓመት ሓደስቲ ወለዶ ናብ ጎደናታት ብምውጽ ዝሓሸ ኩነታት መነባብሮን ትካላዊ ግሉጽነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ናይሮቢ ጠቒሱ የመላኽት።

ካብ 25 ሰነ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ

ድሕሪ’ቲ ዕለት 25 ሰነ ዝተኻየደ ዓፈና ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ነቲ ሓድሽ ወሰኽ ግብሪን ምጉዳል ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ዘጠቓለለ ኣካታዒ እማመ ሚዛን ገንዘብ ንምቅዋም ናብ ጎደናታት ከም ዝወጹን፣ ዝርአ ዘሎ ህዝባዊ ቁጥዐ እናሓየለ እውን ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ኣብ ብጋሴኡ ሰላማዊ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓመጽ ከም እተዓፈነን ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ብዝተፈጥረ ዓመጽ ብውሕዱ 16 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ልዕሊ 400 ድማ ከም ዝቖሰሉን፡ ብመሰረት ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻብ እውን ካብቶም ዝቖሰሉ ጋዜጠይናታት፡ ሰራሕተይናታት ጥዕናን ከም ዝርከብዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሞት ኦጅዋንግ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መደበር ፖሊስ ተታሒዙ ድሒሩ ዝሞተ መንእሰይ መምህርን ኣብ መርበባዊ መራኸቢ ብዙሓን ንጡፍን ኣልበርት ኦጅዋንግ ኣብታ ሃገር ናይ ዘሎ ስቅያትን ግፍዒን ንጹር ምልክታ ህዝባዊ ቁጥዐ ክብርኽ ከም ዝገበረን፣ ኦጅዋንግ ብዘይ ፍቓድ ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ኣማኢት ኪሎሜተራት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝሞተ ምስ ተሰምዐ፣ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ኣብ መላእ ሃገር ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ዘስዓበን፡ ሰበስልጣን ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ብቕትለት ኦጅዋንግ ተኸሲሶም ከምዝተኣስሩ እውን እንተሓበሩ፣ እዚ ሓበሬታ እዚ ነቲ ዝተለዓዓለ ህዝባዊ ቁጥዐ ንምውጋድ ብቕዕ መልሲ ከም ዘይኮነን እቲ መንእሰይ ምልክት ናይቲ ብግህሰት ዝሳቐ ዘሎ ወለዶ ኮይኑ ከም ዘሎን እዚ ድማ ክብሪ፣ ሓቅን ዓሚቕ ጽገናን ዝሓትት ምዃኑን፣ እቲ ዝተኻየደ ህዝብዊ ተቓውሞ፣ “ኣልበርት ሓደ ካባና እዩ” ዝብልን ፍትሕን ዓፈና ደው ክብልን ብዝጽውዕ ጽሑፋትን ጭርሖታትን  ዝተሰነየ ከም ዝነበረ እውን ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ናይሮቢ ጠቒሱ የመላኽት።

ዸምለኻዊ ግብረ መልሲ

ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን መንግስታት ዘለዎም ዓሚቝ ስክፍታ ብምግላጽ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ህዝቢ ብሰላማዊ መገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምክንያድ መሰሉ ከውሕሱን ብዛዕባ እቲ ዓመጽን ዘጋጠመ ሞትን ማህሰይትን ግሉጽ መርመራታት ከካይዱ ጸዊዖም፣ ኣብዚ ተኣፋፊ ህሞት እዚ እታ ሃገር ኣብ ጽንኩር እዋን ከም ዘላን፣ እቲ ህዝብዊ ናዕቢ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ እውን እተመሰለ፣ ዘተን ምስማዕን ዕርቅን ክህልው ብተድጋጋሚ ጻውዒት የቕርቡ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ናይ ኬንያ ምንጭታት ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

08 Jul 2025, 16:18