MAP

ቁጠባዊ ረብሓ እስራኤልን ስግኣት ጎበጣ ግዝኣታት ፍልስጥኤምን ቁጠባዊ ረብሓ እስራኤልን ስግኣት ጎበጣ ግዝኣታት ፍልስጥኤምን  (ANSA)

ቁጠባዊ ረብሓ እስራኤልን ስግኣት ጎበጣ ግዝኣታት ፍልስጥኤምን

ቁጠባዊ ረብሓታት እስራኤል ብፍላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ሃብቲ ጋዝ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታት ኣብ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ዝብል ልኡላውነት ፍልስጤም ዝውሕስን ንዞባዊ ምርግጋእን ኣብ ዘማእከለ ውሳኔ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ደጋጊሞም ዝበልዎ፦ ሱር ኲናት ኩሉ ግዜ ቁጠባዊ ረብሓ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ እቲ ካብ ዝባራዕ 21 ኣዋርሕ ዘቑጽር ዘሎ 57 ሽሕ ሕይወት ንሞት ሓደጋ ዘቃለዐን ግጭት የረጋግጾ።  ረቡዕ ዕለት 2 ሓምለ ኣብ ኣሽከሎን መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ "ድሕሪ ደጊም ሓማስ ኣይክህሉን እዩ። ተወዲኡ እዩ። ንኹሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ሓራ ከነውጽኦምን ሓማስ ካብ መሰረታቱ ከነወግዶን ኢና - ቢሉ - ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ካብ ሃብቲ ጋዝ ክርከብ ዝኾነ ትጽቢት ዝግበረሉ መኽሰብ ኣስታት 300 ቢልዮን ሸከል (ኣስታት 89 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ)” ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሃቦ መግለጺ እውን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሱር ኩናት ኩሉ ግዜ ቁጠባዊ ረብሓ እዩ ዝብል ኣምር እዩ ዘረጋግጽ።

ናታንያሁ ብዛዕባ ኣየናይ ሃብቲ ጋዝ እዩ ዝዛረብ ዘሎ? እቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብመሃንድሳት እንግሊዝ ዝተረኽበ ብቓዛ ማሪን ዝፍለጥ ካብ ገማግም ባሕሪ ወሽመጥ ቓዛ 36 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ብሃብቲ ጋዝ ዝተዓደለ ከባቢ ዝምልከት እዩ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ፡ መወዳእታ ናይቲ ኣብ ራማላሕ ዝመደበሩ መንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጥኤምን ምዝዛም መሓውር ምሕደራ ፍልስጥኤም፡ ከምኡ’ውን ምሉእ ብምሉእ ናይቲ ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ምንጻግ ዘመልክት እዩ። እዚ ተርእዮ እዚ ድማ፡ እስራኤል ኣብቲ ልዕሊ ናይ ጋዝ ሃብቲ ዘለዎ ቦታታት እውን ልኡላውነታ ክትሓትት ምዃና ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ይሕብሩ።

ንራእይ ናታንያሁ ዝድግፉ ሓያሎ ሚኒስተራት ሊኩድን ኣፈ ጉባኤ ሕዝባዊ ባይቶ እስራኤል ኣሚር ኦሃናን ዕለት 2 ሓምለ ምሸት ቅድሚ እቲ ካብ ዕለት 27 ሓምለ ዝጅምር ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ እስራኤል ክካየድ ከም ዝሓተተን። ኣብ ውጥናት ደገፍቲ እቲ ናይ ናታንያሁ ሓሳብ ገና ንጹር ዘይኮነ ነገር እንተሃልዩ፡ ሕጋዊ ኩነታት ናይቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ቓዛን ዝነብሩ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን እዩ። ዜግነት እስራኤል ንዓኣቶም ክዝርጋሕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከኣል እዩ፣ እቲ እስራኤል ልኡላውነታ ክትሓትተሉ ዝበሃል ዘሎ ዞባ ብዛዕባ መሰላት፣ ውክልናን ፍትሕን ርኡይ ሕቶታት ዘልዕል ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ናይ መንግስቲ እስራኤል ኣካይዳ ምስ ምምሕዳር ኣሜሪካ ምትእስሳር ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ እስራኤል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ዴቪድ ፍሪድማን፡ እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ኣካል ራእይ ዋሽንግተን ኮይኑ ክቕጽል እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ግን ዛጊት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብቐጥታ ከም ዘይተዛረበን፡ እዚ ዝክረ ነገር እዚ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መንጎ ትራምፕን ኔታንያሁን ናይ ዝካየድ ኣኼባ ማእከላዊ ጉዳይ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ይፍለጥ።

04 Jul 2025, 15:49