ዘተ ተኹሲ ደው ምባል እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቀጠር ንኻልኣይ መዓልቲ የካይዳ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ምስ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝራኸበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዳግማይ ዘተ ተኹሲ ደው ምባል ይካየድ ከም ዘሎን፣ እቲ ዘተ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ እስራኤል ኣንጻር ኢራን ዘካየደቶ ናይ ኣየር ኲናት ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ ቀጠር ዘተ ይቕጽል
ሓማስን እስራኤልን ኣብ ቀጠር ብተዘዋዋሪ መገዲ ዝካየድ ዘተ ንኻልኣይ መዓልቲ ክቕጽላ መደብ ተታሒዙሉ ከም ዘሎን፣ እዚ ድማ ኣብ ቓዛ ኣብ ምውሓስ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹስን ጅሆ ምሓዝን ዘተኮረ እዩ፣ ናታንያሁ ቅድሚ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ምብጋሱ፡ ንተደራደርቲ እስራኤል ምስቲ እታ ሃገር ዝተቐበለቶ ቅድመ ኩነት ዝሰማማዕ ስምምዕ ንኽበጽሑ ንጹር መምርሒ ከምዝተዋህቦም እዩ ዝንገር።
ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ነቲ ሃዋህው እወታዊ እንክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ሰበስልጣን ፍልስጤም ድማ እቲ ዕለት 6 ሓምለ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባታት ብዘይ ፍጻመ ከምዝተዛዘመ ይሕብሩ። ካልእ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፡ እቲ ዘተ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ዘጠቓለለ ምንባሩ የመላኽት።
እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝድገፍ እማመ ን60 መዓልታት ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምሩኻት ደረጃ ብደረጃ ክፍትሑ፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ገለ ክፋል ቓዛ ክወጹን እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ንኸብቅዕ ዝካየድ መደብ ዘተ እውን ዝጠቓለለ ምዃኑ ይንገር።
ድሕሪ ኢራን ፈላሚ ርክብ
ኣብ መንጎ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኔታንያሁን ትራምፕን ዝካየድ ዘሎ ርክብ፡ ርእሰ ብሔር ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ምስ ትራምፕ ዘካይዶ ርክባት ነዚ ውጽኢት ንምስጓም ክሕግዝ ከምዝኽእል ይግመት፣
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኑክልየሳዊ ቦታታት ኢራን ኣብ ዝካየድ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ እትጽንበርን ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብተዘዋዋሪ ኣካላት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጀመርታ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ክኸውን እዩ።
ዘተ ምስጓም
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ዘተ፣ ንቕድሚት ክስጉም ኣይከኣለን። እስራኤል ጅሆ ዝተታሕዙ ናጻ ክልቀቑን ግን ከኣ ነቲ ኲናት ንኸብቅዕ ግዝያዊ ዕርቂ ንምርግጋጽ ቃል ከም ዝኣተወት ክንገር እንከሎ፣ ሓማስ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ብቐዋምነት ደው ክብልን ሰራዊት እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ክወጽእን ይሓትት።
ኩነታት ቓዛ ኣዚዩ ኣሰካፊ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዓመጽ ደው ንምባል ዘሎ ድላይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን። ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናብቲ ዞባ ዝኾነ ነዳዲ ከምዘይኣተወ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከረጋግጽ እንከሎ፣ ሰራሕተይናታት ሕክምና እቲ ከባቢ እውን ኣብ ህጻናት ዝረአ ሕዱር ሕጽረት መግቢ እውን እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘቕረቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።