ቓዛ፡ 'ኣብ ዸም ሓደ ሰብ ክሰምዖ ተስፋ ብምግባር ድምጸይ የስምዕ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መልእኽቲ ሄልዳ ካብ ቓዛ፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ካብ ውሽጣዊ ቃንዛ ዝነቐለ እዩ: ካብታ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ምኽንያት ምስ ካልኦት ተመዛበልቲ ኮይና ካብ ዝተዓቖበትላ ቁምስና ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ቓዛ ኮይና ንዸም ክትዛረብ ብምምራጽ ገዛእ ርእሳ ተላሊ. . . ቅድሚ ናይ ካልኣይ ደረጃ መርመራ ምውዳአይ፡ መዓልታተይ ብትጽቢትን ተስፋን ዝመልአት እዩ ነይሩ። ውጽኢት መርመራይ ምስ ኣንበብኩ - ብሉጽ 94.7 ነጥቢ ምርካበይ ድማ ማዕጾታት ብሩህ መጻኢ ኣብ ቅድመይ ዝተኸፍቱ ኮይኑ ክስምዓኒ ከም ዝገበረን ሕልመይ ድማ መንበረ ጥበብ ኮይኑ መጻኢየን ክሃንጽ እብገስ ከም ዘለኹ ኣብ ኣእምሮይ ተሰቆረኒ . . . ኣብ መደባት ትምህርቲ፡ ዓውደ መጽናዕትታትን ክትዓትን እናተሳተፍኩ፡ መጻኢ ብኢደይ ክሃንጽ ኣብ ኣእምሮይ ተሰሚዑኒ። መንበረ ጥበብ ናይ ምእታው ሕልመይ ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ውጽኢት ናይ ዓመታት ጻዕሪን ጽንዓትን ዓሚቕ ጽምኢ ፍልጠትን ትምህርትን እዩ ነይሩ።
“እቲ ኲናት ግን ንኹሉ ቀይርዎ። ኣብ ክንዲ ሳልሳይ ዓመት ተመሃሪት መንበረ ጥበብ፣ ሕጂ ካብ ዝኾነ ክፍሊ ርሒቐ ኣብ ዘሕዝንን ዘይሕሰብን ክውንነት ተዓጽየ እርከብ! ሕጂ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክኸውን ዝኽእል ሕልምን ድላይን ዝጭፍልቕ ተኣፋፊ ኩነታት ተስፋ እናደለኹ፡ ኤለትሮኒካዊ ሰሌዳ ኣቢለ ገለ ነገር ክመሃር እፍትን። መዓልታዊ፡ ሓቀይና ናይ መንበረ ጥበብ ተመክሮ ይስረቐኒ ኣሎ፣ ከማይ ንብዙሓት እውን - ምስኡ ድማ ግዜይ፡ ባህግታተይ፡ ብገለ መልክዑ እውን ህይወተይ ይስረቕ ኣሎ።
ቃንዛይ ዝለዓለ ትምህርቲ ምሕራመይ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ክነብሮ ዝግበኣኒ ህይወት ምስኣነይ ዝዓሞቐ ሓዘን እዩ። ፍልጠት ዝጸምአት ነፍሲ፡ ኣብቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ባእታታት ህይወት እውን ከይተረፈ ኣብ ዘይብሉ ሃዋህው ከመይ ጌራ እያ ክትዓቢ እትኽእል? ኣብ ክፍልታት፡ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዝግበር ዘተ፡ ንባህርያት ዝቐርጹ፡ ንነፍሲ ዘሐድሱን ንኣእምሮ ዝሃንጹን ብድሆታት ይናፍቑኒ . . . ዝለዓለ ማዕርግ ትምህርቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ ዘለኹ። ኣነ ዝነብረሉ፡ ህይወት ዝረኽበሉ፡ ከም ሰብ ዝዓብየሉ ቦታ እየ ዝደሊ ዘለኹ። ንነብሰይ ዝረኽበሉ፡ ዝመሃረሉ፡ ዝጥጥዓሉ ንነብሰይን ኣብ ከባቢየይን ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ዝሕግዝን ሃዋህው እሓልም።
ኣብዚ ጸልማት እዚ ክርስትያናዊ እምነተይ ይመርሓኒ፣ ሓይሊ ይህበኒ፣ ዘየደናግር ተስፋ ዘበራብር ብርሃን ኮይኑኒ ኣሎ። ኣብ ጸሎተይ ነዚ ተስፋን ሕልመይን ምስ ቃንዛይ ተሰኪመ እግዚኣብሄር ይሰምዓኒን ንህይወተይ ሓድሽ መንገዲ የዳሉ ከምዘሎን ኣእምን። ንቃላት ኤርምያስ ብቐረባ እሕዞ ፡ ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር (ኤር 29፡11)፣ ኣነ ዘይከኣል ኣይኮንኩን ዝሓትት ዘለኹ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ኣዝዩ መሰረታዊ መሰላት፡ ማለት ክነብር፡ ክመሃር፡ ዕላማታት ህይወተይ ክስዕብ ክኽእል እየ ዝሓትት ዘለኹ። ናይ ሎሚ መከራ ናብ ምጅማር ሓድሽ ህይወትን ምምጻእ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ናብ ዘጠቓልል ዓቢ ነገር ከም ዝቕየር ብእምነት ተኣማሚነ እቕጽል ኣለኹ:! ካብ ውሽጢ እዛ ንዓና እውን መዕቆቢት ካብ ደብዳብ ቦምብታት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፡ ኮይነ ኣብ ዸም ሓደ ሰብ ክሰምዖ ተስፋ ብምግባር ድምጸይ የስምዕ።