ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቓዛ ንዝርከብ መዓስከር ስደተይናታት ዒላማ ብምግባር ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሽዱሽተ ህጻናት ዝርከብዎም ዓሰርተ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተለ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ዕለት 13 ሓምለ ከም ዝሓበረን ምንጭታት ሕክምና እቲ ከባቢ ከምዘረጋግጾ፡ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ብሚሳይል ኣብ ልዕሊ መዐደሊ ማይ ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ዝተጎድኡ ሰባት ናብ መውሃቢ ጽዑቕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም እተወስዱ ይሕብር።
ዸምለኸ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ቓዛ ዝርከብ ካልእ ቤት ሕክምና ኣብ መወዳእታ ሰሙን ን132 ሰባት ምስ ኣጽዋር ዝተኣሳሰረ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኣገልግሎት ሕክምና ከም ዝሃበ ገሊጹ፣ መብዛሕቲኦም እቶም ጉዱኣት ብጥይት ዝቖሰሉ ምንባሮም እውን ይሕብር።
ሕጽረት ነዳዲ ገና ከቢድ ከም ዝኾነን፣ ዕለት 11 ሓምለ ቓዛ ኣብ ውሽጢ 130 መዓልታት ንፈለማ እዋን 75,000 ሊትሮ ነዳዲ ከም ዝረኸበትን - እዚ ኣሃዝ ብሰበስልጣን ረድኤት ኣባይቲ ሕክምና፡ ትሕተ ቅርጺ ማይ፡ ስርዓታት ጽሬትን መሸጣ ህብስትን ዘቕርብዎ ኣገልግሎታት ንምቕጻል ካብ ዝሓትቶ ጠለብ ነዳዲ መጠን ኣዝዩ ትሕቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (OHCHR) ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዞባታት መዕደሊ ረድኤት ብውሕዱ 798 ሰባት ከምዝተቐትሉ ክሕብር እንከሎ፣ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (OHCHR) ራቪና ሻምዳሳኒ፡ እቶም 615 ቓዛ ኣብ ርከብ ጥቓ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ቦታት፣ እቶም 183 ድማ ኣብ ጥቓ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ዝጓዓዛ ዝነበራ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዝርከባሉ ቦታ ዝተቐትሉ ምዃኖም ከም ዝገለጸት ዜና ቫቲካን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።