MAP

Palestinians mourn loved ones killed in Israeli fire while seeking aid, at Nasser Hospital in Khan Younis, southern Gaza Strip

ዕንወት ቃዛን ድኽመታት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን

ትካላት ው. ሕ. ሃ. ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ደብዳብ ቦምባታትን ጥሜትን ከምኡውን ኣገዲድካ ምፍንቓልን እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዕንወት ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ የጠንቅቓ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤላውያን ን21 ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቃዛ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዶም፣ ናይ ግብረ - ሰናይ ትካላት ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ናይ መነባብሮ ዕንወት የጠንቅቓ ኣለዋ። ነቶም ዝተረፉ ሰባት ዝወሃብ ዘሎ ሒደት ረድኤት ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ይውስኽ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ ቃዛ ማይን ዕዳጋን ዘንቀሳቕሱ ቘልዑ ዚርከብዎም እንተ ወሓደ 95 ፍልስጥኤማውያን ኣብቲ ብእስራኤል እተገብረ መጥቃዕቲ ሞይቶም ይርከቡ ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረድኤትን ውሕስነትን ዚህብ ትካል ውን፣ ካልኦት እተመጣጠነ ምግቢ ዝሰኣኑ ህጻናት ይሞቱ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ ኣሎ፣ ከመይሲ ሸሞንተ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ነዳዲ እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ዕዮኦም ድሕሪ ሓጺር እዋን ደው ከም ዚብል ገሊጸን ኣለዋ። ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ እቲ ውግእ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ ልዕሊ 58,000 ሰባት ከም ዝቐዘፈን፣ ኣስታት 138,000 ድማ ኣቍሲሉ ከም ዘሎ ውን ጸብጻባት ይህብ።

ሰራዊት እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ስለ ዘጋደዶ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት እንተ ወሰኸ ዜገርም ኣይኰነን። ክሳዕ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 14 ሓምለ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 100 ሓደስቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኸም ዘውረደ ውን ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ እውን ናይ ምሕራር መስርሕ ይቕጽል ኣሎ። ረድኤት ብቐሊሉ ኣይርከብን ኢዩ ዘሎ፣ ነዚ ንምእካብ እተገብረ ፈተነ ኸኣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ራፋ ዝርከብ ማእከል ረድኤት ክልተ ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እስራኤል ተሓታቲት ምዃና ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣከራኻሪ ዝዀነ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ሰብኣዊ ማሕበር ቃዛን ካልኦት ትካላትን ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ድሕሪ ምኽልካሎም ወይ ምዕጋቶም ንብዙሓት ሰባት ግዳያት ገይርዎም ይርከብ ኣሎ።

ፊሊፕ ላዛሪኒ ዝስሙ መራሒ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዕለት 11 ሓምለ ቃዛ "መቓብር ቈልዑን ብጥሜት ዚሳቐዩ ሰባትን" ከም ዝዀነት ኣጠንቀቐ ፣ ነቲ ረድኤት ንምዕጋት እተገብረ ውዲት ድማ "ጭካነ ዝመልኦን ብሚኻያቫልያውያንን ንምቕታል እተኣልመ ውዲት ኢዩ" ክብል ጸውዖ።

ፍርሂ ብዛዕባ መጻኢ ራፋ

ብዛዕባ እቲ እስራኤል ኣብ ራፋ "ሰብኣዊት ከተማ" ንምህናጽ ዘውጽኦ ኣከራኻሪ ውጥን እውን ኣህጉራዊ ነቐፌታ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ኣብ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ሰፈታታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኻብ መረበቶም እተመዛበሉ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዑናታቱ ኸም ዚቕመጡ ውን ይገብር ኣሎ። ብመራኸቢ ብዙሓን እስራኤል እዚ ህንጸት እዚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኪወስድ ክሳዕ 15 ቢልዮን ዶላር ከኣ ዋጋ ዝሓትት ምዃኑ ኢዪ ዝንገር ዘሎ።

ንበር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኤሁድ ኦልመር ነዚ መደብ እዚ ሓደ ዓይነት ዓሌታዊ ምጽናት ክብል  ብምጽዋዕ ብግህዶ ኰኒንዎ ኣሎ። ንጋርድያን ዝተሰምየ ትካል ኣገልግሎት ዜና ድማ ከምዚ ክብል መግለጺ ሃበ - "እዚ መዳጐኒ ደምበ ኢዩ ። ነበር መራሒ ተቓውሞ እስራኤል ያየር ላፒድ ክዕረ ዘይከኣል ስነ-ምግባራዊ ጕድኣት ኬስዕብ ከም ዚኽእል ብምግላጽ ነዚ ሻቕሎት እዚ ውን ደጊሙ ኣመልኪቱ።

ጕጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ሰበ-ስልጣን ው. ሕ. ሃ. እታ ኸተማ ንመሰረታዊ ህንጻታት ረድኤት ናይ ቍጽጽር መሳርሒ ብምቕያር ብዘይ መስርሕ ወይ ምርጫ ንፍልስጢማውያን ብርጉጽ መገዲ ኸም እትኣስሮም ኣጠንቀቐ። እቲ ውጥን ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ወይ ሰብኣዊ ኽብሪ ክሳነ ከም ዘይክእል ውን ይገሊጹ።

እዚ መሰላት እዚ ዸም ድሕሪ ግዝኣት ኣፓርታይድን ክልተ ኣዕናዊ ውግኣት ዸምን ነቲ ኸቢድ ዕቝባ ከም እትከላኸለሉ ዝመሓለትሉ መሰላት ውን ኢዩ። ኣብ ውዳቤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡውን ድሕሪ ደጊም ኩሎም ሕዝብታት ኸምዚ ዝኣመሰለ ብልሓት ዝመልኦ ሰብኣዊ ዘይኮነ ዓመጻ ከም ዘየጋጥሞም ብሓባር ተስፋ ብምግባር ሰፊሮም ኣለዉ።

ይኹን እምበር ሎሚ ኣብ ቃዛ እዚ መብጽዓታት እዚ ኻብ ምፍራስ ኣየቋረጽን።

15 Jul 2025, 15:42