MAP

Aftermath of an Israeli air strike in Gaza City Aftermath of an Israeli air strike in Gaza City  (MAHMOUD ISSA)

ዸምለኻዊ ማዕቀብ እናዓበየ ኣብ ዝከደሉ ዘሎ ኣብ ቃዛ ቅልውላው ጥዕና እናገደደ ይኸይድ ኣሎ

ኣብ ቃዛ እንተ ወሓደ 12 ቘልዑ ዝርከብዎም 33 ሰባት ብጕድለት ኣመጋግባ ኣብ ውሽቲ 48 ሰዓታት ይሞቱ ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰሉስ እቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተ ወሓደ 12 ቘልዑ ዚርከብዎም 33 ሰባት ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ኸም ዝሞቱ ዝለዉ ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ሞት ጸብጻባት ድሕሪ እቲ ዋና ጸሓፊ ው. ሕ. ሃ. ኣንቶንዮ ጉተርስ ብዛዕባ እተን ኣብ ቃዛ ተሪፈን ዘለዋ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕራት ተራድኦ ብሰንኪ እቲ ብ ወተሃደራት እስራኤል ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕትታት ይሰናኸላ ከም ዘለዋ ድሕቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝመተዋህበ ጸብጻብ ኢዩ።

ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ንግስነታት እግሊዝ ዴቪድ ላሚ ነቲ ካብ ቃዛ ዝመጸ ጸብጻባት "ዜስካሕክሕ ዜና"  ክብል ገሊጽዎ ኣሎ፣ ጃምላዊ ቕትለት ከም እተፈጸመ ዚገልጽ ጸብጻባት ድማ ከም ዝስዕብ ዘሎ ድማ ኣመልከተ።

ዝሃለፈ ሰኑይ ዴቪድ ላሚ ምስ 27 ካልኦት ሃገራት ብምሕባር ነቲ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ፍልስጥኤማውያን ሞት ዘስዕብ ዘሎ ነቲ ካብ እስራኤል ዝርጋሐ ረድኤት መግቢ ኽትረክቡ እኳ እንተ ፈተኑ ይሞቱ ብምህላዎም "ዜስካሕክሕ" ቅትለት ክብል ኰነኖ።

ውድብ ጥዕና ዸም ኣብ ዝሃቦ ዝጸብጻብ እስራኤላውያን ኣብ ማእከላይ ቃዛ ዝገበርዎ ዘለዉ መጥቃዕትን ኣብ መሳለጥያታ ዝወረደ ጕድኣትን ብዘጋጠመ መጠን እቲ ኣብ ማእከላይ ቃዛ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ህይወት ኣድሕን ኣመና ተኣፋፉ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።

እስራኤል ሰራዊታ ኣብ ዲር ኣል-ባላ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡን ኣብቲ ኸባቢ ምስ ዝርከባ ኣህጉራውያን ትካላት ይተሓባበሩ ኸም ዘለዉን ገለጸት።

ኣብ መላእ ቃዛ ዚርከባ ሆስፒታላት ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ዕዮአን ኬቋርጻ ኸም ዚኽእላ ድማ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣጠንቂቑ። ድሮ ሽዱሽተ ክሊኒካታት ተዓጽየን ኣለዋ፣ ሰበ-ስልጣን ንእስራኤል ከአ ነቲ ንሕክምናታት ተባሂሉ እተላእከ ነዳዲ ኸም ዝዓገተቶ ኢዩ ዝንከር ዘሎ።

ኣህጉራዊ ኵነኔ

ዸምለኻዊ ሻቕሎት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነቲ ሃገሮም ንእስራኤል ኣብ ቃዛ ጃምላዊ ቕትለት ከም ዝፈጸመት ዘቕረበቶ ክሲ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ (ኣይሲሲ) ከም ዝድግፍዎ ኣረጋገጹ።

እቲ ኣብ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ድሕቲ ምቕታሉ እንተ ወሓደ ኸኣ ትሽዓተ ሰባት ብኸቢድ ቆሲሎም ከም ዘልወኡ ዝወጸ መግለጺ፣ እቲ እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሃማስ ዘውረደቶ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ምላሽ "ኣብ መላእ ዸም ከም ጃምላዊ ቕትለትን ዓሌታዊ ምጽናትን ኣጸቢቑ ጐሊሑ ይርአ ኣሎ" ዝብል ኢዩ ።

እቶም ጉባኤ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብፁዕ ካርዲናል ስቲቨን ብሪዝሊን ሊቀ-ጳጳሳት ኬፕ ታውን ዝሓቦ መግለጺ "ነዚ ገምጋም እዚ ንግድፎ ኢና" ክብሉ ኣመልከቱ። ነዚ ጕዳይ እዚ ድማ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምቕራብ፣ ነዚ ዓመጻ እዚ ብዘይምቍጽጻሩ ኸምኡውን ኣቕረብቲ ኣጽዋር ኣብቲ "ብታሪኽ ብዘይ ጥርጥር ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ እተፈጸመ ገበን" ተሳታፍነት ምዃኑ ብምዅናኖም ጓሂኦም ገለጹ።

24 Jul 2025, 15:36