ከፊላዊ ስምምዕ ሰላም ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ቀጠር ተፈሪሙ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (ደ.ረ.ኮ.) ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ብኸፊል ስምምዕ ሰላም ከም እተፈረመን፡ እዚ ድማ ነታ ኣብ ውግእ እትርከብ ሃገር ዝያዳ ሰላማዊ መጻኢ ክህልዋ ተስፋ ዘለዓዕል ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ዝሓለፈ ቐዳም ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ዶሃ ቀጠር ወከልቲ መንግስቲ ኪንሻሳን ጉጅለ ዓመጽቲ ኤም - 23ን ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ዘጠቓልልን ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ስልጣን መንግስቲ ንምምላስ ዝሕግዝ ናይ ዕላማ ኣዋጅ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ኤይጂኣይ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ኢጣሊያ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ኣዋጅ “ኩለመዳያዊ ስምምዕ ሰላም” ብዝብል ዕላማ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ወግዓዊ ዘተ ንምጅማር ዝተኣተወ ቃል” ዘጠቓልል ምዃኑ ይሕብር።
ብዓመጽ ዝተሃስየ ዞባ
ኣብቲ ዞባ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ግንባራት ዘሎ ኩነታት ከምዘይተቐየረን፡ ኣብ መንጎ ጉጅለ ዓማጽቲ ኤም - 23ን ኣብ ስርሒታት ደገፍቲ መንግስቲ ኪንሻሳ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ዓመጽ ይቕጽል ከምዘሎ አይጂኣይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብማዕድን ዝሃብተመ ዞባ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብግጭት ንቐጻሊ ማህሰይቲ ዝተቓልዐ ኮይኑ፣ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ስምምዓት ሰላምን ተኹሲ ደው ምባልን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክጥሓስ ከም ዝጸነሐን፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ብሩዋንዳ ዝድገፍ ተባሂሉ ዝንገረሉ ጉጅለ ዕጡቓት ኤም - 23ን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኮንጎ ዘካየዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብቲ ምስ ሩዋንዳ ዝዳወብ ዞባ ዓመጽ ብቐጻሊ ከምዘሎን፣ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኮንጎን፡ እዚ ድማ ምኽንያት ሞት ኣሽሓት ምዃኑን ኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ከም ዘመዛበለን ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሰላም ጻዕሪ፡ ደገፍን ሕድገታት ምግባርን ይሓትት
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጃክሜን ሻባኒ፡ ምስ ብጻዩ ሚኒስተር መራኸቢ ብዙሃን ፓትሪክ ሙያያ ብሓባር ኣብ ዘዳለዎ መግለጺ፡ ምስቲ ብሩዋንዳ ዝድገፍ ዕጡቓት ጉጅለ ኤም - 23 ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ናብ ዘላቒ ሰላም ኣብ ዘብጽሕ መገዲ ወሳኒ ምዕራፍ ምዃኑ ከም ዝሓበረን፣ አይጂኣይ - ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ናዕቢ፡ ሚኒስተር ሻባኒ፡ “ሰላም ምርጫ እዩ” ብምባል ምኽንያት ኣቕሪቡ፡ “ናብ ሰላም ቀሪብና ከምዘለና ርእሰ ተኣማንነትን ምሉእ እምነትን ኣለኒ፣” እዚ ድማ "ክንሃንጾ ሓላፍነት ዘለና ኣገዳሲ ውጥን እዩ" ኰይኑ ግና፡ እዚ ሕርኩት ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ብምምልካት፣ “ህዝቢ ናብዚ ሸቶ ከቕንዕ ከነዳልዎ ኣሎና፣ ሕድገታት ንምግባር ድማ ድልዋት ክንከውን ኣሎና” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።
ንዘላቒ ሰላም ምስራሕ
በዚ ስምዒት’ዚ ሚኒስተር ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ሙያያ “ውዱእ ሰላም፡ ነባሪ ሰላም ኢና እንደሊ - ቢሉ - እቲ ብኽልቲኡ ወገናት ቅቡል ዝኾነ ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ምስተፈረመ ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ስልጣን መንግስቲ ምምላስ እውን ስለዝገልጽ፡ ንመንግስቲ፡ እዚ ኣብቲ ብኤም - 23 ዝቆጻጸሮ ግዝኣታት “ምምሕዳርን ህዝባዊ ሓይልታትን ዳግማይ ምውፋር” ከም ዝህልውን እዚ ድማ “ኣብ ስምምዕ ሰላም ብዝርዝር ክግለጽ” ዝግበኦ መስርሕ እዩ እንክብል ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኤይጂኣይ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።