MAP

መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝፍጸም ዓመጽ ሰፋሮ ይኹንኑ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝፍጸም ዓመጽ ሰፋሮ ይኹንኑ 

መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝፍጸም ዓመጽ ሰፋሮ ይኹንኑ

ላቲናውያንን ግሪኻውያንን ኦርቶዶክሳውያን ፓትርያርካት ዘኢየሩሳሌም ምስ ናይ ወጻኢ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት ብምዃን ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰፋሮ ዝወረዳ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ናይ መወዳእታ ክርስትያናዊት ቁሸት ዑደት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 14 ሓምለ ፓትርያርክን ሓለፍቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኢየሩሳሌምን ኣብታ ኣብ ቀረባ እዋን ብእስራኤላውያን ሰፋሮ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝወረዳ ካብ ራማላ ንምብራቕ ገጻ እትርከብ ቁሸት ታይበህ ዑደት ከም ዘካየዱን ሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያን ናይ ፈርንሳን በልጂምን ኢጣሊያን ዝርከብዎም ብብዙሓት ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣካላት ተዓጂቦም ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶ ቑሸት ታይበህ ምስ በጽሑ ብከንቲባ እታ ዓዲ ሱሌማን ኩሪየህ ድሕሪ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ፣ ከምኡ’ውን ብኣባ ባሻር ፋዋድለህ፡ ካህን ናይ ላቲን ስርዓት ነቶም ዑደት ዛካይዱ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ታይበህ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘርእይ ዝተቐርጸ ከሳቲ ሰነዳዊ ከም ዘርኣዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ነበርቲ እታ ከተማ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ዓመጽ ስዒቡ፣ እቶም ሰፋሮ ንኣታኽልቲ ኣውሊዕ - ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ታይበህ - እውን ብሓዊ ከም ዘቃጸሉን፡ ሓረስቶት ድማ ናብ መሬቶም ከይከዱን ከይሓርሱን ይኽልክሉ ከም ዝነበሩን የመላኽት፣

ምምዝማዝን ምንዳድን

ዕለት 8 ሓምለ ሓደ ጉጅለ ሰፋሮ ኣይሁድ ኣብ ጥቓ መካነ መቓብር ክርስትያን ቢዛንታይንን ኣብ ቤተክርስትያን ኣል - ካደር (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ሓዊ ከም ዘቃጸሉን፣ እዚ ድማ ካብ 5ይ ክፍለ ዘመን ዝጅምርን ኣብ ፍልስጤም ካብቶም ጥንታውያንን ዝኽበሩን ናይ ክርስትያን ኣምልኾን ስግደትን ቦታታት ሓደ እዩ። እዚ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ነበርቲ እታ ከተማ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ዓመጽ ስዒቡ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘት (ሕጂ ኸኣ እንኮ) ክርስትያናዊት ቍሸት ዚርከብ መቓብር እቶም ሰፋሮ ደይመደይ ኢሎም ብሓዊ ከም ዘንደድዎ ዜና ቫቲካን ምንጭትታት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የረጋግጽ።

ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ምግባር

ሰራዊትን ሓይሊ ጸጥታን ፍልስጤም ክሳብ ታይበህ ክበጽሕ ስለዘይክእል፡ "እቲ እቶም ሰፋሮ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ተግባር ደው ከብሎ ዝኽእል ሰራዊት እስራኤል ከም ዝኾነን፣ ስለዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ቅድሚኦም ዝተፈጸመ ብምዃኑ መንግስቲ እስራኤልን ሓይሊ ጸጥታ እስራኤልን ነዚ ጉዳይ እዚ መልሲ ክህብሉ ንሓትት - ቢሎም -  እንክብሉ ንዜና ቫቲካን መግለጺ ዝሃቡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳኢ ፓትሪያርክን ዓቃቤ መንበር ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ጳጳስ ዊልያም ሾማሊ ሓቢሮም፣ እቶም ሰፋሮ ካብቲ ናይ ደቂ ዓዲ ዝኾነ 2,400 ሄክታር መሬት ሓደ ሻድሻይ ከም ዝመንዝዑን ገሊጾም፣ እዚ ብሓቂ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኮነ “እቲ መሬት ንዋናታቱ ክምለስ ኣብ ዕልሊ መንግስቲ እስራኤል ጸቕጢ ክግበር ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና” ከም ዝበሉን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብቲ ጉዕዞ ክጽንበሩ ዝተዓደሙሉ ምኽንያት፡ "እቲ ብተደጋጋሚ ዝረአን ዝቕጽልን ዘሎ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ምስ መራሕቲ ሃገሮም ክዛረቡሉ ንምድራኽ እውን እዩ” ኢሎም።

Photogallery

መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝፍጸም ዓመጽ ሰፋሮ ይኹንኑ
16 Jul 2025, 15:55