MAP

TOPSHOT-IRAN-ISRAEL-CONFLICT-MEDIA TOPSHOT-IRAN-ISRAEL-CONFLICT-MEDIA 

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሰላም ኪዓዪ ይምሕጸኑ

ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዝቕጽል ዘሎ ሕድሕዳዊ መጥቃዕቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃገሮምን ነቲ ዝሰፍሐ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክካፈሉ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንመንግስቶምን ንብምሉኡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን "ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ብብዙሕ ወገን ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ተሳትፎ ንምሕዳስ ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ" ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝሓለፈ ዓርቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ነቶም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ወተሃደራዊ ኣካልትን ኣብ ኑክልየሳዊ ውጥን ኢራን ዝዓዩ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ዝቐንጸለ ደብዳብ ነፈርቲ ምስ ፈነወት ተባርዐ። ኢራን ኣብ እስራኤል ደብዳባት ሚሳይልን ሮኬትን ብምፍናው ድማ ስጕምቲ ክትወስፍ ክርከብ ኣላ ። ኣብ ኢራን ልዕሊ 220 ሰባትን ኣብ እስራኤል ድማ 21 ሰባትን በቲ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ኣለው።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኣህጉራዊ ፍትሕን ሰላምን ኤልያስ ዛይዳን ኣብቲ ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተሓትመ መግለጺ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተወሳኺ ግጭታት ብምብዛሑ፣ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከምኡውን እዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተሪፉ ዘሎ ተነቃፊ ርግኣት ኣብ ሓደጋ የእትዎ ይርከብ ኣሎ" ብምባል ኣጠንቀቐ።

ንጉዳይ ሰላም ናይ ምድጋፍ ግዴታ

ብፁዕ ኣቡነ ዛይዳን ካብ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ኵለን ሃገራት መገድታት ዕርቂ ብምጅማር ከምኡውን ንዅሎም ድሕንነትን ክብርን ዘረጋግጽ መፍትሒታት ብምትብባዕ ንጉዳይ ሰላም ክድግፋ ግዴታ ኣለወን።"

ኣብቲ ሊቀ-ጳጳሳት ተህራን ብፁዕ ካርዲናል ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዩ ዘቕረብዎ ጸሎት ብምጥቃስ "ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ተመርኲስካ ብዝግበር ዘተ፣ ሰላም ኪሰፍን ይኽል እዩ" ክብሉ ውን ምስኦም ከም ዝሓብሩ ሓቢሮም።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብፁዕ ኣቡነ ዛይዳን ንካቶሊካውያን ምእመናን ከምኡውን ንዅሎም ሰብ ሰናይ ፍቓድ ሰብኡትን ኣንስትን "ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ መወዳእታ ንኽግበረሉ ኣበርቲዖም ክጽልዩ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

መጥቃዕቲ እስራኤል ነቶም ኣብ ጋዛ ረድኤት ዚጽበዩ ፍልስጥኤማውያን ይቕትል

ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዝርአ ዘሎ ዓመጻ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቃዛ መጥቃዕቲ ይፍንዉ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ሰበ-ስልጣን ቃዛ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ቃዛ እትርከብ ከተማ ካን ዮኒስ ናይ ረድኤት ዓበይቲ ማካይን ክጽበዩ ዝጸንሑ እንተ ወሓደ 51 ፍልስጥኤማውያን ከም እተቐትሉ ጸብጻብ ኣቕረቡ። ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ እቲ ኽስታት ብቅልጡፍ ጸብጻብ ኣይሃቡሉን ።

ትካላት ኣገልግሎት ዜና ታንክታት እስራኤል ናብቶም ረድኤት ግብረ - ሰናይ ክጽበዩ ዝጸንሑ ሕዝቢ ደብዳብ ከም ዝፈነው ዝገልጽ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ኣቕሪቡ። እዚ ኩነት እዚኣ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ፍልስጤም ብጃምላ ዝተቐትሉሉ ተኸታታሉ ፍጻሜታት እቲ ናይ መወዳእታ ኢዩ ዝነበረ።

19 Jun 2025, 11:29