MAP

ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰማንያ ዓመት ተኣፋፊ ተኣምር ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰማንያ ዓመት ተኣፋፊ ተኣምር  (©Negro Elkha - stock.adobe.com) ርእሰ ዓንቀጽ

ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰማንያ ዓመት ተኣፋፊ ተኣምር

ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ዕለት 26 ሰነ ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ፣ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ምንቁልቋል ብዝሓ-ጎናውነት፡ ትንቢታዊ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት! ዝብሉ ነጥብታት የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅዋም ዕለት 26 ሰነ 1945 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ዝተኸተመ፣ ኣብ ዝተነብሮ መቕድም፣ "እናተሰጋገረ ንዝኸይድ ወለዶ ካብ መዓት ኲናት ንምድሓንን ኣብ ዝዓበየን ዝሰፈሐ ናጽነት ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ ህይወትን ምድንፋዕ" ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ። ተወከልቲ 50 ሃገራት ክታሞም ኣንቢሮም ዘጽደቕዎ ቅዋም መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ኣስታት 50 ሚልዮን ህዝቢ ዸም ንሞት ዝዳረገ ግምት ዘእተወ ምዃኑ የዘኻኽር።

ድሕሪ ሰማንያ ዓመት፡ እዚ ትካል - ዘተ ኣብ ልዕሊ ኣጠቓቕማ ሓይሊ፡ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ኣብ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ቀዳምነት ዘለዎ ቤት ብዝሓ - ጎናውነት ሎሚ ምልክት እራጋን የርእይ ኣሎ። ምስ እዚ ኹሉ ግን እቲ ትካል ሓቀይና ተኣምር ዝውክል እዩ። እዚ ተኣምር እዚ ኣብታ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ መጸውዕ ስም ዝወሰደት ከተማ ሳን ፍራሲስኮ ዘጋጠመ እዩ። ምሕዳስን ምምዕባልን ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ህንጸት ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምምሕያሽ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ምፍታሕ ብዙሓት ግርጭታትን ብዙሕ ስርሒታት ሰላምን ዕርቅን ዝምልከቱ መምርሕታት ዝተነብሮ እዩ።

ሎሚ እዚ ተኣፋፊ ተኣምር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ የድልየና ኣሎ። ክንዕቅቦን ከነመሓይሾን ይግባእ። ከምቲ ተካእቲ ጴጥሮስ ካብ 1965 ክሳብ 2015 ዓ.ም. ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህንጻ ምብጻሕ ዘካየዱ ዝነበሮም እምንቶ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ እንነብረሉ ዘለና እዋን ግቡእ ሕጋውን ፖለቲካውን ምላሽ ኮይኑ ከምዝጸንሐን ይቕጽል እውን ከምዘሎን ብምግንዛብ፣ ኣብ ኢድ ስነ - ሓሳባት ዘስካሕክሕ ግፍዒ ከስዕብ ብዝኽእል ብዕደ ጥበባዊ ሓይሊ ዝተለለየ፡ ነዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ግቡእ ሕጋውን ፖለቲካውን ምላሽ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንበረ ጥበብ ፓዱዋ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ጒይዶ ክሮዜቶ፣ "ኣህጉራዊ ሕጊ ንምጽጋን ዘኽኣሉና ናይ ዓመታት ዓወታት ክንዕቅቦ ኣሎና፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣህጉራዊ ስርዓት ፍጹም ዝተፈልየን መብዛሕትኡ ግዜ ዝጋጮን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣህጉራዊ ስርዓት ብሓደ ሰብ፡ ብሓያላት ዝእዘዝ ኮይኑ ኣሎ፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሓ ጎናውነታዊ ምትእስሳር ይጠፍእ ብምህላዉ እዩ” እንክብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ የስተብህል፣

ቃላት ሚኒስትር ምክልኻል ኢጣሊያ እንታይ ከም ዘመልክት ንምርዳእ ብዙሕ ምሕሳብ ዝሓትት ኣይኮነን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክሳብ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ መጥቃዕቲ፣ እንታይ ከም ዘጋጠመ ጥራይ ምርኣይ እኹል እዩ፤ ካብቲ ንቓዛ ዘባድም ዘሎ ኲናት፡ ናብ ኵምራ ፍርስራስን ሬሳታትን ዝቐየረ፡ ክሳብ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዝተራእየ ዘሰክፍ ግጭት፡ ምትእትታው ኣመሪካ እውን ዝረኣየ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ዸምለኻዊ ስርዓት በቶም ብመሰረት ምሹእ ኵነታት መዓስ ክትግበርን መዓስ ከይይትግበርን ዝውስኑ ሓያላን ሃገራት ምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድሕሪ ሰማንያ ዓመት ምጅማር እቲ ተኣፋፊ ተኣምር - ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኮይንና “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህጹጽ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምታው - ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕ. 2 ፍቕዲ 4 “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ . . . ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝበሎ ንደግም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ነዚ ካብ ልዑል ኣምላኽ ዝመጽእ ድምጺ ንስማዕ፡ ነቲ ብደማዊ ተግባራት ዳሕረዎት ዘመን ዝፈጠሮ ቁስሊ ንፈውሶ፡ ኩሉ ስነ - መጐት ትምክሕትን ሕነ ምፍዳይን ነጺግና፡ መንገዲ ዘተን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ሰላምን ብጽኑዕ ንመርጽ” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰበዎ። መንገድታት ብዙሓ ጎናውነትን ዘተን ዝብሉ ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ዝተወስዱ መንገድታት፡ ነታ ኣዚያ ናብ ዓዘቕቲ ርእሰ - ጥፍኣት እተብል ዘላ ዸምና እንኮ ኣማራጺ ዝውክል ምዃኑ ኣንድረያ ቶርኔሊ ብምዝኽኻር ዘቐረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

27 Jun 2025, 08:54