MAP

TURKEY-RUSSIA-UKRAINE-DIPLOMACY-CONFLICT TURKEY-RUSSIA-UKRAINE-DIPLOMACY-CONFLICT  (AFP or licensors)

ውግእ እናቀጸለ ክንሱ ዩክረይን ሩስያን ዘካይድዎ ዘተ ንሰላም

ክየቭ ንሩስያ ብደብዳብ ንፈርቲ ድሕሪ ምውቅዓ፣ ሩስያ ኣብ ዩክረይን መጥቃዕቲ ኸም ዘውረደት ዚገልጽ ሓድሽ ጸብጻብ እኳ እንተሃለወ፣ ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን እተገብረ ኻልእ ናይ ሰላም ዘተ ተጀመረ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሚኒስተር ጉዳይት ወጻኢ ሃገረ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ቀጥታዊ ዝርርብ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፣ ቀጻሊ ውግእ እኳ እንተ ሃለወ ዘተ ሰላም ብምጅማሩ ከም እተሓጐሰ ገለጸ። ፊዳን ኣብ መግለጺኡ እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝግበር ዘሎ ዘተ ብዛዕባ እቲ ኽልቲኦም ወገናት ከማልእዎ ዘለዎም ስጉምታት ከም ዝመያየጡ ኣመልከተ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውን ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ኣበርክቶ ትገብረሉ ከም ዘላ ገለጸ፣ እቲ ዝርርባት ነቲ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዝቐተለን ዝቘሰለን ተባሂሉ ዝእመነሉ ውግእ ደው ንምባል ቁም ነገር ዘለዎ ውጽኢት ከም ዘምጽእ ድማ ኣጕልሐ።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ነቲ ሓለቓ ወተሃደራዊ ኺዳን ኔቶ ዝዀነ ማርክ ሩት፣ ቱርኪ እቲ ውግእ ከም ዜብቅዕ ብምእማን ተስፋ ኸም ዘይቈረጸት ኣመልከተሉ።  "ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ናብ ቅኑዕን ነባርን መወዳእታ ንምብጻሕ እንገብሮ ጻዕሪ ኣገዳሲ ኽፍሊ ምይይጥና ክኸውን ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሐ።

"ቱርኪ ነዚ ንምግባር ወትሩ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ኸም ዜድሊ ኣጕሊሓ ኸም ዘላ ዅላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ሕጂ ንሰለስተ ዓመት ከቢድ ስቓይ ድሕሪ ምጽዋር ኣብ መወዳእታ ሓደ ተስፋ ተረኸበ” ይብል። እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ከምዚ ይብል - "እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝግበር ዘሎ ዝርርባት ሓድሽ ምዕራፍ ክኽፈት ተስፋ ንገብር” ክብል ውን የመልክት።

ይኹን እምበር ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ እተኻየደ ናይ ሰላም ዝርርብ፣ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን እተገብረ ኻልኣይ ኣኼባ ሩስያ ኣብ ዩክረይን መጥቃዕቲ ኸም ዘውረደት ዚገልጽ ተወሳኺ ጸብጻብ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ በጺሑና።

ሰበ-ስልጣን ከም ዝገለጽዎ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኽልተ ባለስቲካዊ ሚሳይል ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ ከርኪፍ እትበሃል ከተማ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኸባቢ ወሪዱ ኣሎ።

ከንቲባ እታ ኸተማ ኢሆር ተሬኮፍ ሓደ ሚሳይል ኣብ ጥቓ ሓደ ኣፓርታማ ኸም ዝወደቐን፣ እቲ ኻልኣይ ግን ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝወደቐ መተሓላለፊ መንገዲ ከም ዘዕነወን ገለጸ ።

ብኡንብኡ ብዛዕባ ምዉታት ዚገልጽ ጸብጻብ እኳ እንተ ዘይተዋህበ፣ እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ግን ዩክረይን ኣብ ሓሙሽተ እተፈላለየ ዞባታት ሩስያ ኣብ ዚርከብ መደበራት ኣየር ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ነፋሪት ልዕሊ ሓሙሽተ ዞን ድሕሪ ምድብዳባ እዩ ተፈጺሙ። ሚኒስትሪ ጸጥታ ሩስያ ምዉታት ከም ዘየለው ኢዩ ዝገለጸ።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክረይን ቭሎዲመር ዜለንስኪ ከም ዝገለጾ ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሩስያ እተገብረ ዓብዪ ንጥፈታት 117 ነፈርቲ ኸም እተጠቕመት ኣመልከተ ።

ነዚ ስርሒት ንምፍጻም ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን መደብ ብምግባር ከም ዝጀመረ ውን ገለጸ።

ሰበ-ስልጣን ሩስያ ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዚርከብ መደበር ነፈርቲ እተፈነወ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 13 ነፈርቲ ኸም ዝዓነዋ ገለጹ።

ኤስ. ቢ. ዩ. ዝተሰምየ ናይ ዩክረይን መርበብ ስለያ ኸም ዝገለጾ እቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ውሽጣዊ ሓባራዊ ኣገልግሎት ነዚ ብኮድ እተሰምየ "ስርሒት መርበብ ስፓይደር" ብዚብል መጥቃዕቲ ንልዕሊ ዓመትን መንፈቕን መደብ ተገይሩ ነበረ።

እቲ ደብዳም ብገምጋም ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝግመት ዕንወር ኸም ዘስዓበ ገለጸ ። ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ምሉእ ብምሉእ ካብ ክትወርራ ብዝጀመረ ውግእ እቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ገይርካ ኢዩ ዝርአ።

እንተዀነ ግን እዚ ቐጻሊ ግጭታት እናሃለወ ኽነሱ ከምቲ ዸም እትርእዮ ዘላ፣ እቲ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ውግእ መዓስን በኸመይን ከም ዜብቅዕ ዝርርብ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ።

03 Jun 2025, 12:11