MAP

2025.06.23 ሶርያ፡ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ደማስቆ 2025.06.23 ሶርያ፡ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ደማስቆ  (© Patriarchato greco-ortodosso di Antiochia )

ሶርያ፡ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ደማስቆ

ሰንበት ዕለት 22 ሰነ ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኤልያ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓርገሉ ዝነበረ እዋን ብስርሒት ለኪምካ ምጥፋእ ብዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 20 ሰባት ከም እተቐትሉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደማስቆ ኣብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኤሊያ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓርገሉ ዝነበረ እዋን ብዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝምልከት

ብማዕከናት ሓበሬታ ሶርያ ዝተፈነወ ጸብጻብ፣ እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ቦምትት ዝተጣበቖ መቐነት ከም ዝነበሮን በዚ ብዝፈጸሞ ለኪምና ናይ ምጥፋእ መጥቓዕቲ ብጀካ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 20 ሰባት፣ ብዙሕት ካልኦት ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ፡ እቲ ግብረ ሽበራ ዝፈጸመ ሰብ ኣባል ዳዒሽ ከም ዝነበረ እውን እንተሓበረ፣ ክሳብ ሕጂ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ ከም ዘየለ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ሶሪያ ጠቒሱ የመላኽት።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ናብቲ ቤተክርስትያን ኣትዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ምእመናን ተኹሲ ድሕሪ ምፍናዉ ነቲ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ናይ ቦምቢ መቐነት ክፍንጀር ከም ዝገበረ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያ ሶሪያ ክሕብር እንከሎ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ካልኦት 52 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን፣ ሚኒስተር ሓበሬታ ሶርያ ሓምዛ ሞስጣፋ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፣ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ እንክብሉ ገሊጹ፣ "እዚ ዝተፈጸመ ናይ ፈራሓት ተግባር ኣንጻር እቲ ኣብ ሓደ ዘራኽበና ዜግነታዊ ክብርታት ዝኸይድ እዩ፣ ካብቲ ዜግነታዊ ማዕርነት ዝገበርናዮ ተወፋይነት ንድሕሪት ኣይንምለስን . . . ከምኡ'ውን እቲ መንግስቲ ንኹሉ ጻዕሩ ንገበነይናታት ትካላት ንምምካትን ሕብረተሰብ ካብ ኩሉ ንድሕነቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ዝኣተዎ ቃል ብምሕዳስ ነረጋግጽ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ኣብ ኣንጾክያን መላእ ምብራቕን ተራዳኢ ጳጳስ ሞይዘስ ሙሳ ኤል ኩሪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ቦምባ ናብቲ ቤተክርስትያን እውን ከምዝደርበየ ከረጋግጹ እንከለዉ፣ በርገሳዊ ሓይሊ ምክልኻል ሶርያ ኣብቲ ቦታ በጺሑ፡ እቲ ዝወረደ መጥቓዕትን ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘርኢ ምስሊ ከም ዝዘርገሐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሶርያ ርእሰ ብሔር ኣሕመድ ኣል - ሻራ ንበሽር ኣል ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ዓ.ም. ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር እቲ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ደማስቆ ናይ መጀመርታ ክኸውን እንከሎ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግሪኽ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ “ዘጸይፍ ግብረሽበራዊ ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባ” ከም ዝኾነነን፣ “ሰበስልጣን መሰጋገሪ ሶርያ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ሰባት ክሕተቱ ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስድን ድሕነት ማሕበረሰባት ክርስትያንን ኩሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታትን ብዘይ ፍርሒ ክነብሩ ዘኽእሎምን ውሕስነት ዝህቡ ስጉምትታት ከተግብሩን ንጠልብ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Jun 2025, 16:33