ሓደጋ ዓለማዊ ግጭት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እናተኾላለፈ ዝኸይድ ሳልሳይ ኲናት ዸም” እንክብሉ ዝኹነንዎ መልክዕ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብትኽኽል ዝገልጽ ከም ዝኾነ ዝዝከር ኮይኑ፣ እስራኤል ዕለት 13 ሰነ ምሸት ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ድሕሪ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይቲ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ከቢድ ግጭት መግለጺ ከም ዝኾነን፣ ኣብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ናይቲ ዞባ ዝመጸኣ ዘሎ ለውጢ ዝሕብር እዩ።
ተሄራን ኣብ ትሕቲ ኣያቶላሕ ንምርግጋእን ንጸጥታን እስራኤል ሓቀይና ሓደጋ ከም ዝኾት ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ እዋን ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA) ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መርሓ ግብሪ ኑክሊየስ ኢራን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ዘመላኽት ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ሕጂ እቲ ወሳኒ ሕቶ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እስራኤል ነቲ ኑክልየሳዊ ስግኣት ክዓግቶ ድዩ ወይስ ነቲ ግጭት ብሓደገይና መንገዲ ከስፍሖ ዝኽእል ድዩ፣ ከምኡ እውን እቲ ግጭት ኪኖ እቲ ዞባ ንኸብል ዝድርኽ ድዩ? ዝብል ምዃኑ ይንገር።
እዚ ስግኣት እዚ ብሰንኪ ዘይንጹር መርገጺ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይጋደድ ከም ዘሎን፣ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ጥራይ መራሔ መንግስቲ ኣስራኤል ኔታንያሁ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝገበሮ ዑደት ተመሳሳሊ ስርሒት ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ዝተኻየደ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዘሎ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንጹር ፍልልይ ምህላዉ ዘነጽር ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ትራምፕን ሃገራት ወሽመጥ ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዝነበረ ርክብ ኣብ እስራኤል እወታዊ ኣቀባብላ ከም ዘይረኸበ ዝዝከር ኮይኑ፣ ዋላ’ውን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደማስቆ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካውያን ነቲ ሓድሽ መራሒ ሶርያ ኣል - ሻራ ዘለወኦም ድጋፍ ካም ምግላጽ ከም ዘየቋረጹን ብፍላይ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል ክጽውዕ ከም ዝጸንሐን - ኣብ ቀረባ እዋን ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ናታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ርክብ ዘቕረቦ ጻውዒት እውን ምዃኑ ይጥቀስ።
እዚ ድሕረ ባይታ እዚ ንብዙሓት ተንተንቲ ናታንያሁ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዋሽንግተን ክትጽምበሮ ዝድርኽ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ እቲ ስርሒት ብሓደ ወገን ምስ ኣመሪካ ከምዘይተዋደደ ንምሕባር ቀልጢፉ መግለጺ ከም ዝሃበን፡ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ድሒሩ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፣ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ምሉእ ደገፍ ብምቕራብ፣ እቲ ግጭት ናብ ዝያዳ ሓያል ምዕባለ ገጹ ከየብል የስግእ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኪኖ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበሮ ርክብ፡ ኔታንያሁ ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ። ካብዚኦም እቲ ቀንዲ ኣቓልቦ ዸም ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምስሓብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍርን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረትን ዘሕደሮ ዘሎ ጉድኣትን ንእስራኤል ካብ ባህላውያን መሻርኽታ ኣርሒቑ ኣብ ታሪኽ 80 ዓመታት እታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣህጉራዊ ውግዘት ከም ዘስዓበላን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፈረንሳን ስዑዲ ዓረብን ዝምወል ኣብ ኒውዮርክ ናይ ሰላም ዋዕላ ከካይድ መደብ ተታሒዙሉ ከም ዝነበረን ኣብዚ ዋዕላ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ማክሮን ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ክህብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ዋዕላ ኮይኑ፣ ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ማክሮን ነቲ ዋዕላ ከም ዝሰረዘን፣ ናታንያሁ ኣቃልቦ ዸም ናብ ኢራን ከብልን ካብ ቓዛ ንምርሓቕን ዝገበሮ ጻዕሪ ዕዉት ክኸውን ከም ዝኽእል ይንገር።
ኣብ ውሽጢ እስራኤል መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቡዝሕ ጭንቀት ይፈጥር ከም ዘሎን ፍርሒ እውን እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፣ ንጉዳይ ውሽጣዊ ፖለቲካን ኣብ ልዕሊ ኔታንያሁ ዝቐርብ ዝነበረ ክስታትን ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ኣኽራሪ ፖለቲካዊ ውድብ ክርአ ጀሚሩ ዝነበረ ቅልውላው ናብ ካልኣይ ደረጃ ክሰጋገር ዝገበር ዘሎ ስጉምቲ እውን ምዃኑ ተንተንቲ የረጋግጹ።
ደገፍቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣንጻር ኢራን ኣድላይን ምኽኑይን እንክብላ ደገፈን ከረጋግጻ እንከለዋ፣ እቲ መጥቃዕቲ ህላወ እስራኤል ንምርግጋጽ ከም “ፍትሓዊ ኲናት” ገይረን ይገልጸኦ። እዚ ስያመ እዚ ግን ኣብ ቀረባ ታሪኽ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ እዩ - ኣብ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያን የመንን ዘስዓቦ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሳዕቤናት ዘረጋግጾ ሓቂ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ዳሕረዋይ ምዕባለ ንውድቀት ኣመራርሓታት ዘቃልዕ፣ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክኽተሉ ዘይክእሉ ወይ ዘይደልዩ ኣካላት ዘህልው ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣብ ኢየሩሳሌ ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረትን ቅዱሳት ስፍራብ ዓቃቢ ኣባ ፍርንቸስኮ ፓቶ፥ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መራሕቲ ብጀካ ውግእ ካልእ መገዲ ፍታሕ ዘይደልዩ እንክብሉ ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዐ ቅዳሴ ከምዝገለጽዎ።