MAP

ጸብጻብ ፐው ብዛዕባ ዓለማዊ ሃይማኖታዊ መልክዕ ካብ 2010 – 2020 ዓ.ም. ጸብጻብ ፐው ብዛዕባ ዓለማዊ ሃይማኖታዊ መልክዕ ካብ 2010 – 2020 ዓ.ም.  (AFP or licensors)

ጸብጻብ ፐው ብዛዕባ ዓለማዊ ሃይማኖታዊ መልክዕ ካብ 2010 – 2020 ዓ.ም.

እቲ ብማእከል ምርምር ፒው ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ሃይማኖታዊ መልክዕ ዸም ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ዘርእይ ርኽበታቱ ዝገልጽ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ዕብየት ስነ - ህዝቢ፡ ምቅይያር ምትእስሳራትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማውነትን (ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ባህልን ማሕበራዊ ህይወትን ዝንጽል ኢሃይማኖታዊ ባህሊ) ዘጉልሕ እዩ። ሃይማኖት ምስልምና ብዝቐልጠፈ ዕብየት እኳ የርእይ እንተሃለወ፣ ክርስትና ኣብ ዸም እቲ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ኣብዛ ንመልክዓ ኣቀማምጣ ሃይማኖት ዝጸሉ ቅልጡፍ ማሕበራውን ባህላውን ስነ ህዝባውን ለውጥታት ዘለዋ ዸም፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ማእከል ምርምር ፐው፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ማለት ካብ 2010 ክሳብ 2020 ዓ.ም.፡ ሃይማኖታዊ ምትእስሳርን ስነ-ህዝብን ብኸመይ ከም ዝተቐየረ ሰፊሕ ሓፈሻዊ ትንታነ ይህብ።

እናዓበየን እናቐያየረን ዝኸይድ ዘሎ ህዝቢ

እቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዸም ሓቆፍ ሃይማኖታዊ ብዝሒ ህዝቢ ክብ ከም ዝበለ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብ ኣስታት 5.9 ቢልዮን ኣብ 2010 ዓ.ም. ናብ ኣስታት 6.9 ቢልዮን ኣብ 2020 ዓ.ም. ዘሎ ክብታ ዘነጽር እዩ። እዚ ወሰኽ ብዓቢኡ ኣብ ከም ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ዞባታት ብዝረአ ስነ ሕዝቢ ዝንባለታት ዝድረኽ ኮይኑ፡ ልዑል መጠን ውልደትን ህያው ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ብቐጻሊ ይዓብይ ኣሎ። ምስፋሕ ብዝሒ ህዝቢ ኣስላም ካብ 23.2% ናብ 24.1% ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዸም ዝውክል ከም ዝኾነን፡ ኣገዳስነት ሃይማኖት እስልምና ኣብ ዸም ለኻዊ መድርኽ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ዘጉልሕ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክርስትና ኣስታት 31.2% ህዝቢ ዸም ዘጠቓልል ብምዃን ዝዓበየ ሰዓቢ ዘለዎ እምነት ኮይኑ ክቕጽል እንከሎ፡ ምስ ዸም ሓቆፍ ብዝሒ ህዝቢ ብማዕረ ክጓዓዝ ከም ዘይከኣለ የመላኽት።

ክርስትያን ኣብ ዸም ብማዕረ ዝተዘርግሑ ጉጅለ ኮይኖም ኣብ ብዙሓት ዞባታት ሰፊሕ ህላወ ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብ መላእ ዸም ዝርከቡ መብዛሕትኦም ኣስላም ትሕቲ 50 ዓመት ዕድመ ክኾኑ እንከለዉ፣ ብኣንጻሩ ቡድሃውያን ግና ካብ ካልኦት ሰዓብቲ ሃይማኖታት ብዕድመ ዝደፉኡ ምዃኖም እቲ ናይ ፐው ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ መላእ ኣህጉራት ዝረአ ምዝንባልን ምቅይያራትን

ሓፈሻዊ ዕብየት እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ጸብጻብ ኣብ መላእ ኣህጉራት ዘሎ ፍልልይ ስእሊ እውን የቕርብ። ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ሃይማኖታዊ መለለዪ ምንቁልቋል ይቕጽል ከም ዘሎን፣ እቶም ምስ ሃያምኖት ምንም ዓይነት ምትእስሳር የብለይን ዝብሉ ሰባት ቅጽሮም ርኡይ ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ እዚ ጉጅለ ሕጂ ብግምት 17% ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ዝሕዝ ኮይኑ፡ ሰፊሕ ዝንባለታት ዓለማውነትን (ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራውን ውልቃውን ባህላውን መዳያት ዝንጽል) ምቕያር ማሕበራዊ ኣተሓሳስባን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰሜን ኣመሪካ ዝለዓለ ክርስትያናዊ ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር ኮይና ትቕጽል እውን እንተሃለወት፣ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽልን ዘይሃይማኖታውን መንነት መጠነይና ወሰኽ የርእይ ኣሎ፡ እዚ ድማ እምነት ኣብ ምንባርን ምግላጽን ለውጢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ዝቕልቀሉ ዘለዉ ኣንፈታትን ምንቅስቓሳትን

ኣብዚ ዓሰርተ ዓመት ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ክርስትና ንጡፋት ሃይማኖታዊ ምንቅስቓሳት ክለዓሉ እውን ተራእዮም እዮም። ማሕበረሰባት ጴንጠቆስጠን ወንጌላውያንን ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ብቕልጡፍ ዘርእይዎ ዘለዉ ምስፋሕ ኣብ ውሽጢ እዞም ትውፊታት እዚኦም ናይ ተሓድሶ ጸዓት ኮይኑ ከም ዘሎን፣ ኣብ ብዙሓት ዞባታት ስደትን ዓውሎማነትን ብዙሕነት ሃይማኖት ንኽውስኽ ኣበርክቶ ብምግባር ዝያዳ ብዙሕነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ክምዕብል ከም ዝገበረ። ብኣንጻሩ ኣብ ገለ ዞባታት ሃይማኖታዊ ዳግመ ልደት የጋጥም ኣሎ፣ ኣብ ሞንጎ ቅልጡፍ ማሕበራዊ ለውጢ ባህላዊ ልምድታት ወይውን ትውፊታት ዳግማይ ኣገዳስነት ይረክብ ምህላዊ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ምልዓዓል ኢሃይማኖታውነት.

ሓደ ካብቲ ጐሊሑ ዚርአ ዝንባለታት፡ ዕቤት ናይቶም ምንም ዓይነት ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ከም ዘይብሎም ዝገልጹ ሰባት እዩ። ብደረጃ ዸም ሓቆፍ እዚ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፣ ዓለማውነት ማለት ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ባህልን ማሕበራውን ውልቃውን ህይወት ዝንጽል ባህሊ ኣብ ማሕበራዊ ኣተሓሳስባታት ጽልዋ እናገበረ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ለውጢ እዚ፡ ንሃይማኖታዊ ትካላትን ሓንጸጽቲ ስርዓትን ሕግን ብዛዕባ መጻኢ ተራ እምነት ኣብ ህዝባዊ ህይወት ዓሚቝ ሕቶታት የለዓዕል ምህላዉ ጸብጻብ ማእከል ምርምር ፐው ይሕብር።

ኣብ መደምደምታ፡ ጸብጻብ ፐው፡ ዸምና ብመንጽር ሃይማኖታዊ መንነት ዝያዳ ዝተፈላለየትን ዝተሓላለኸትን ትኸውን ከምዘላ የጉልሕ። ብዝሒ ህዝቢ እናዓበየን እናተቐያየረን ምስ ዝኸይድ፡ ሰባት መንፈሳዊ ዕግበት ክረኽቡን ምስ ማሕበረሰቦም ክዋስኡን ይሕግዝ፡ ኣብ መላእ ዸም ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያንን ማሕበረሰባት እምነትን ንዘተ ዳግማይ ድርኺት ክህባን ድሌታታ ብዝበለጸ ንምምላእ ብዛዕባ መንፈሳዊ መልክዕ ዓሚቝ ርድኢት ከዕብያን ዝጽውዕ ምዃኑ የረጋግጽ።

11 Jun 2025, 15:58