MAP

ኣብ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ቓዛ ተወሳኺ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣብ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ቓዛ ተወሳኺ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም 

ኣብ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ቓዛ ተወሳኺ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

ሓይልታት እስራኤል ተመዛበልቲ ሰላማውያን ሰባት ዝዕቆቡሉ ከባቢታት ዒላማ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ብውሕዱ 81 ፍልስጤማውያን ኣብ መላእ ቓዛ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ደብዳብ ኣብ ቓዛ ጥቓ ሓደ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልትን ኣብ ከባቢ ቱፋ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርትን ዝተፈጸመ ምዃኑ ሰብመዚ ቓዛ ገሊጾም። ካብቶም ዝሞቱ ህጻናትን ምሉእ ስድራቤትን ከም ዝርከብዎምን። ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 56,400 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

እዚ ወሰኽ ግዳያት ኣህጉራዊ ጻውዒታት ተኹሲ ደው ምባል ከም ዘሐየሎን፣ ተኹሲ ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ከም መንጐይናታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቀጠርን ዘሳትፍ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰራዊት እስራኤል ኣቐዲሙ ሓደ ካብ መስረትቲ ኣባላት ሓማስ ከምዝቐተለ ከፍልጥ እንከሎ፣ እስራኤል ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቓዛ ዳግማይ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣትሒዙ ብውሕዱ 6,050 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 21 ሽሕ ድማ ከም ዝቖሰሉን፡ ብጠቕላላ እቲ ኩናት ካብ ዝጅምር ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም.  ኣትሒዙ ብጥቕላላ ልዕሊ 133 ሽሕ ከም ዝቖሰሉ ሰበ ስልጣን ቓዛ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መደብ ምህብታም ዩራንየም ኢራን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ፥ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ተቖጻጻሪ ኑክልየሳዊ ጸዓት ሓላፊ፣ ኢራን ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ምህብታም ዩራንየም ዳግማይ ክትጅምር ከምእትኽእል ከፍልጥ እንከሎ፣ ዋና ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንናይ ኑክልየሳዊ መሰረተ ልምዓት ዝሃሰየ እኳ እንተኾነ፣ ፍጹም ዕንወት ግን ከምዘየስዓበ ዝሃቦ ርእይቶ፣ ኑክልየሳዊ ዓቕሚ ኢራን ብዓቢኡ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት መንግስታት ኣመሪካ መግለጺ ዝጻረር ከም ዝመስል ዜና ቫቲካን የመላኽት።

30 Jun 2025, 15:19