ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን እናዓበየ ንዝኸይድ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ይቃላዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፣ ሱዳን ብውሽጣዊ ግጭት ተሃስያ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ ደቡብ ሱዳን ክስደድን 12.4 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብሮኦም ክመዛበሉን ከም ዝገበረን፣ 57% ህዝቢ ሱዳን “ልዑል ደረጃ ሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ” የጋጥሞ ከምዘሎ ጸብጻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረጋግጽ።
ሱዳን ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣብ ዸም ቀዳምነት ዝወሃበን “ዝለዓለ ስክፍታ” ዘለወን ናይ ጥሜት ቦታታት እያ – ከምቲ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጾ – “ኣብ ዝገደደ ዑደት ግጭት፡ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ተረጊጣ ትርከብ።”
መርሓ ግብሪ መግቢ ዸምን ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ንባህሪ ውሕስነት መግብን እዋናዊ መረዳእታታት ዝትንትን ጸብጻብ ወግዓዊ ከም ዝገበሩን እዘን ሓሙሽተ ሃገራት - ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ፍልስጤም፣ ማሊ፣ ሃይቲ - ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተዘይረኺበን ልዑል ሓደጋ ጥምየትን ሞትን ከምዘጋጥመን እቲ ጸብጻብ የጠንቅቕ።
ዋና ኣመሓዳሪ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ቑ ዶንግዩ፣ ጥሜት "ንሚልዮናት መዓልታዊ ህጹጽ ኩነታት እዩ። ሕጂ ክንዋሳእን ህይወት ንምድሓንን መነባብሮ ንምሕላውን ብሓባር ክንዋሳእ ኣሎና" እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ነቲ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።
ግጭት ንጥሜት ይድርኽ
እዚ ጸብጻብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን መርሓ ግብሪ ምግቢ ዸምን፡ ግጭት ብቐንዱ ንቅልውላው ጥሜት ከም ዝድርኽ፡ እዚ ድማ ብምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየርን ቁጠባዊ ብድሆታትን እውን ከም ዝጋደድ ኣቃሊዑ፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ትንተና ውሕስነት መግቢ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ዣን ማርቲን ባውሰር፡ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ጥሜት ከምዘሎን ኣብ ቓዛ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ኣመልኪቱ፣ ከምኡ'ውን፡ እዚ ኵሉ ግርጭት ንናይ ሰብኣዊ ረድኤት ሰራሕተይናታት ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ምኽልካልን ዘስዕብ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ምሉእ ህዝቢ ቓዛ – 2.1 ሚልዮን ህዝቢ – ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብሰንኪ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝኸፈአ ቅልውላው ዘይውሕስነት መግቢ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ፣ ኣስታት 500 ሽሕ ድማ ኣብ ዘሰንብድ ሓደጋ ዘይውሕስነት መግቢ ይርከብ ኣሎ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዝመጽእ ናይ መወዳእታ ግዜ
ውድብ መርሓ ግብሪ መግቢ ዸምን ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዸም ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ምስ መግብን ኣመጋግባን ዝተኣሳሰር ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ዘቕርቦ ገንዘብ ክብ ከብልን እቲ ዓመጽ ደው ክብልን ጻውዒት ብምቕራብ፣ ፈጻሚት ጉዳያት ውድብ መራሓግ ርብሪ መግቢ ዸም ሲንዲ ማኬን፡ “እቲ ዝያዳ ኣዕናዊ ጥሜት ብህጹጽ ንምክልኻል ዝሕግዝ በራት ብቕልጡፍ ዝዕጾ ኣብዝመስለሉ ዘሎ እዋን፣ ህጹጽን ቀጻልን ወፍሪ ኣብ ሓገዝ መግብን ደገፍ ምሕዋይን ወሳኒ እዩ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።