ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እስራኤልን ኢራንን ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ነንሕድሕደን ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ብምፍጻመን፡ ነቲ ድሮ ዞባውን ስዒቡ እውን ዓለማውን ክኸውን ዝኽእል እዩ ናብ ዝብል ደረጃ ግጭት እናቕረባ ዝኸዳ ዘለዋ ይመስላ።
ብመሰረት ጸብጻብ ህጹጽ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ማገን ደቪድ አዶም፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ማዕበል መጥቃዕቲ ኢራን፡ ኣብ ቤርሸባ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ሶሮካ ዝተፈጸመ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ብውሕዱ 89 ሰባት ከም ዝቖሰሉን። ሰበስልጣን እስራኤል፡ እቲ ቤት ሕክምና ጉድኣት ከም ዝወረዶ እንተገለጹ ሓደጋ ሞት ዘስዓበ ምዃኑ ግን ዝሃብዎ መረጋገጺ የሎን።
እስራኤል ሕነ ክትፈዲ ቃል ኣትያ
መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሕነ ክፈድይ ምዃኑ ቃል ብምእታው፣ መራሕቲ ኢራን ነቲ ዘውረድዎ መጥቃዕቲ “ልዑል ዋጋ ክኸፍሉ” እዮም እንክብል ኣጠንቂቑ። መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ ሚሳይል ምስቲ ቤት ሕክምና ዝዳወብ ትካል ስለያ እስራኤል፡ ከምኡ’ውን ንሓደ ማእከል ወተሃደራዊ ትእዛዝ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ እንክሕብሩ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ንነበርቲ ኮንዳብን ኣራክን ማለት ክልተ ትሕተ ቅርጺ ኑክልየሳዊ ትሕተ ቅርጺ ዘለወን ከተማታት ኢራን - ናይ ውጹ መጠንቀቕታ ከም ዝሃበን፣ እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ተሃዋሲ ቦታታት መጥቃዕቲ ክካየድ ዝኽእል ምዃኑ ዘመልክትን ሰራዊት እስራኤል ብቋንቋታት ዓረብን ፋርስን መጠንቀቕታታት ብምዝርጋሕ፡ ሰላማውያን ሰባት ብቕልጡፍ ክወጹ ከም ዝሓተቱ ክንገር እንከሎ፣ እስራኤል ዕለት 19 ሰነ ኣጋምሸት ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ካብ ኢራን ዝተረጋገጸ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጉድኣት ከም ዘይተዋህበ ይንገር።
እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው
ብኻልእ ወገን ኣብ ቓዛ፡ ብውሕዱ 18 ፍልስጤማውያን ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ድሮ ዕለት 2 ሰነ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት በርገሳዊ ምክልኻል ፍልስጥኤም ሓቢሮም፣ መብዛሕትኦም ግዳያት ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ጥቓ ሓደ መዐደሊ ህጹጽ ሓገዝ ዝነበሩን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ይጽበዩ ከምዝነበሩ ክሕበር እንከሎ፣
እቲ ግጭት እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዒራቕ ፉዓድ ሑሴን፡ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ፡ ህጹጽ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ዓረብ ክካየድ ከም ዝጸወዐን፣ እዚ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ናይ ዝገበሮ ጻውዒት ዘቕረቦ እማመ፡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ዞባዊ ምላሽ ንምውህሃድ ዝዓለመ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ሞስኮ፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ተሳትፎ ሕቡራት መንግስታት መሪካ “ካልእ ዘስካሕክሕ ኣዕናዊ ዝኾነ መጠነ ሰፊሕ ግጭት” ዘበገስ ከም ዝኸውን የጠንቅቕ።