MAP

Iran fires missiles at Israel Iran fires missiles at Israel  (ANSA)

እስራኤልን ኢራንን ራዕዲ እና ዛየደሉ ዝኸይድ ዘሎ ዞባ ይኸውን ኣሎ

እስራኤልን ኢራንን ደብዳባት ሚሳይላት ኣብ ዝለዋወጣሉ ዘልዋ እዋን፣ እቲ ኣብ ቃዛ እተገብረ ውግእ ንህዝቢ ፍልስጥኤም ሞትን መከራን ኬምጽኣሎም ኣሎ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ነቲ ከባቢ ዞባ ፍርሕን ራዕድን ይገብሮ ኣሎ ክብል ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኢራን ኣብ እስራኤል ብዘውረደቶ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 8 ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ይርከቡ ኣለዉ፣ ኣብ ተህራን ከኣ በቲ እስራኤል ብሃንደበት ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ዕላማታት መንበሪ ገዛውቲ ሰላማውያን ሰባትን ከም ዝወቕዐ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ዞና እና ሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት ዝተፈጥረ ፍርሂ ድማ ትማሊ ሰኑይ ካብ ወጋሕታ ኣትሒዙ ኣብ ሰሜናዊ ቃዛን ከተማ ቃዛን ኣብ እተገብረ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ 20 ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ፣ ካብዚኣቶም እቶም ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ራፋ ዚርከብ ናይ ረድኤት መዓደሊ ነቑጣታት ምግቢ ንምርካብ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰባት ይርከብዎም።

ፍልስጥኤማውያን ዜስካሕክሕ ስቓይ ይጻወሩ ኣለዉ

ቮልከር ቱርክ ሓለቃ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጀኒቫ ዝተኻየደ መበል 50 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ እስራኤል ትጥቀመሉ ዘላ "መጋበሪታትን ሜላታትን ውግእ ኣብ ቃዛ፣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዘስካሕክሕን ዘየቋርጽን ስቓይ የውርደሎም ኣሎ" በለ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ልዕሊ 19 ወርሒ ዝወሰደ መጥቃዕቲ ንልዕሊ 55,000 ሰባት እንተላይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑን ህጻናትን ቀቲሉ ኣሎ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ግንባር እስራኤልን ኢራንን ብሰንኪ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን እተውርዶ ዘላ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት 70 ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ናብ ልዕሊ 220 ደይቡ ኣሎ።

መደረታት ኢራንን እስራኤልን

ብኽልቲአን ሃገራት እተዘርበ መደረታት ከም ዝገልጾ፣ እቲ ውግእ ድሕሪ ሓጺር እዋን ደው ከም ዚብል ዚሕብር ኣይኰነን፣ ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ ኸኣ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ጣልቃ እንተ ኣትያ ኣብቲ ወሽመጥ "ዓብዪ ትፍኣት" ኬምጽእ ከም ዚኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ።

እስራኤል ከም ዝገለጸቶ ኢራን ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንኸተማዕብል ትፍትን ብምህላዋ፣ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጕምቲ ኽትወስድ ከም ዘለዋ ገለጸት። ኢራን ድማ ብደብዳብ ባላስቲክ ሚሳይል ሕነ ትፈዲ ኣላ፣ እዞም ክልተ ወገናት ከአ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዞም ኣብ ምልውዋጥ ደብታባት ሚሳይል ተጸሚዶም ኣለዉ።

ምሕጽንታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ዝሓለፈ ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሓላፍነት ንኽስምዖምን ምኽንያት ንኽህሉን መጸዋዕታ ኣቕረቡ፣ ንኽልቲአን ሃገራት ከኣ ንጥቕሚ ሓባራዊ ጕዳያት ክዘራረባ ተማሕጸንወን።

"ዋላ ሓደ ሰብ ንህላወ ኻልእ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ የብሉን " ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ብሔር ሃገረ ኢራን ንህዝቡ ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ፍልልያቶም ኣወጊዶም ኣንጻር እስራኤል ሓድነት ክገብሩ ኽምሕጸኖም ከሎ፣ ዝበዝሕ ክፋል ዸም ርእሰ - ግትኣት ክግበር ውን ተማሕጺኑ፣ ሚኒስተር ጸጥታ እስራኤል ከኣ ኣብ ተህራን ዝነብሩ ሰባት ብሰንኪ ቅትለት ሰላማውያን እስራኤላውያን ዋጋ ክኸፍሉ ምዃኖም የጠንቅቕ ኣሎ።

17 Jun 2025, 11:56