ቓዛ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ኣጽዋር ምጥቃም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጉዳያት ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ቓዛን ስርሒታዊ ውድቀት ሰብኣዊ ትካል ቓዛን (GHF) ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ተስፋታት ብሰፊሑ ምፍራሱ ከም ጽኑዕ መርኣዪ ኮይኑ ይግለጽ።
እቲ ትካል ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ንህዝቢ ፍልስጤም ዝጸለወ ከቢድ ጥሜት ንምፍታሕ ከም ሓባራዊ ተበግሶ እስራኤልን ኣመሪካን ዝተጀመረ ኮይኑ፣ እዚ ቅልውላው መንግስቲ እስራኤል ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ምእታው ሰብኣዊ ሓገዛት እገዳ ምስ ገበረ፡ ብዝያዳ ድማ ብUNRWA - ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታት ፍልስጤምን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ስርሒታት ደው ምስ በለ ዝያዳ ተጋዲዱ ይርከብ።
እስራኤል ዝተወደቡ ናይ ግብረ ሰናይ ቃፍላይ ብዕጡቓት ሓማስ ብስሩዕን ብዓመጽን ይዕገቱ ኣለዉ ብምባል ንዝወሰደቶ ስጉምቲ እገዳ ምኽንያት ክትህበሉ እንኮላ፣ እዞም ዕጡቓት ብግዲኦም ነቲ ዝተመንዘዐ ቀረብ ዳግማይ ናብቲ ህዝቢ ብምዕዳል፡ በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሬት ዝነበሮም ቁጽጽርን ዕብለላን ዳግማይ ከረጋግጹ ከም ዝደልዩ እንክሕብሩ፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ብኸፊል እውን እንተኾነ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ንባህሪ ምሕደራ ሓማስ መሊሱ ምጒላሕ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ስቓይ ናይቲ ንሱ ይውክሎ እየ ዝበሎ ህዝቢ ብዓሚቕ ዘይግደስ ዝመስል ርእሰ ምልካውነት መግለጺ እዩ።
እንተኾነ ግን እቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ዝቐረበ ኣማራጺ፡ ኣብ ምፍጣር GHF - ሰብኣዊ ማሕበር ቓዛ፣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነን ንሰፊሕ ስልትታት ዕላማታት ሰራዊት እስራኤል መጋበርያ ምዃኑን ተረጋጊጹ እዩ። ብፍላይ ሚኒስተር ቁጠባ እስራኤል ቤዛለል ስሞትሪች፡ እቲ ተበግሶ ነቲ ናይ ሓቂ ግብረ - ሰናይ ድሌት ንምምላስ ከምኡውን ኣህጉራዊ ነቐፌታ ንምቅላልን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝኽእል ሕጋዊ ስጕምቲ ንምውጋድን ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ እስራኤል ጠቒሱ የመላኽት።
እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝብገስ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣቦ መንበር ናይቲ GHF - ሰብኣዊ ማሕበር ቓዛ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ግብረ-ሰናይ ተመክሮ ዘለዎ ኣባል ባሕሪ ሓይሊ ሕቡራት መንግስታት ነበር ጄክ ዉድ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት "ናይ ርእሰ - ምትእምማን ገለልተይናነት ከምኡውን ሰብኣውነት" ምድጋፍ ዘይከኣል ምዃኑ ብምጥቃስ ካብ ስርሑ ከም እተሰናበትን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ውጽኢት ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ፡ ኣብተን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ተዓጽየን ዝጸንሓ ሰለስተ ዝተመደባ ቦታታት ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ምክፍፋል መግቢ ብውሕዱ ሚእቲ ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ስልታዊ ኣቀማምጣ እዞም ማእከላት ምክፍፋል ሰብኣዊ ሃገዝ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ውሽመጥ ቓዛ ስክፍታታት ተላዒሉ ከም ዘሎን፣ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ጃምላዊ ምስጓግ ክህሉ ትጽቢት ብምግባር፡ ነበርቲ ሰሜን ናብ ደቡብ ንምድፋእ ዝኣመተ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።
ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕባለታት ህልው ኩነታት እቲ ትካል፣ ጉጅለ ኣማኻሪ ቦስተን ካብቲ ውጥን ከምዝወጸ ከፍልጥ እንከሎ፣ እዚ ድማ ድሕሪ ምልቃቕ ዉድ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ GHF - ሰብኣዊ ማሕበር ቓዛ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ መከፋፈሊ ቦታታት ጉዳይ ጽጥታ ዝምልከት ንወተሃደራዊ ተዃናታሪ እስራኤል ኣሕሊፉ ክህቦ ወሲኑ ከም ዘሎን እዚ ምድላው እዚ ርኡይን ግልጽን ሓደጋታት ዝመልኦ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ ዙርያ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝግንፍል ዘሎ፡ ካብቲ ሕጂ መብዛሕትኦም ነበርቲ ቓዛ ብፍላይ ድማ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕጽረት መግቢ ዘጋጠሞም ህጻናት ዝነብሩሉ ተስፋ ዝቖረጸ ኩነታት ዝተነጸለ ዝመስል፡ ፖለቲካዊ ምቹእነት ዝገልጽ ሲኒካዊ (ተጠራጣሪ) ቀመር እዩ።
እዚ ተመሳሳሊ ኣዕናዊ ስነ - መጐት’ዚ፡ ነቲ ዋላ’ውን ግዝያዊ ዕርቂ ንኽግበር ዝካየድ ዘሎ ዘተ መሰረት እዩ። ብወገን እስራኤል ከኣ ሚንስትራት መንግስቲ ብጋህዲ ዝገለጽዎ ዕላማ ዓወት ክሳዕ ዚረክብን ሓያሎ ኽፋል ህዝቢ ኻብ መረበቶም ክሳዕ ዚመዛበሉን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ምቕጻል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ሃማስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጥኤም ዝውረደ መዓት ጥሜትን ግብረ - ሰናይን ዕንወት እናሃለወ ኽነሱ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ምቅዋም ይሓይሽ ዝብል ውሳኔ ዝኽተል ዘሎ እዩ ዝመስል። ምሉእ ብምሉእ ምፍራስ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሓማስ፡ ምእላይ መሪሕነቱ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ስልጣን ናብ በዓል መዚ ፍልስጤም፡ ከም እንኮ ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ፍልስጤም ምስግጋር፡ እስራኤል ቀዋሚ ጎበጣን መግዛእትን ውሽጥመ ቓዛ ከም ዚህልዎ ዚገልጽ ሓሳብ ዘዳኽሞ እዩ።
ነዚ ኣብ ራማላሕ ዝነበረ ናይ መሪሕነት ግደ ምምላስ ዘጠቓልል ውግእ መወዳእታ ኽገብረሉ ዝኽእል መገዲ የለን። እቲ ዘገርም ግን ምምሕዳር ፍልስጥኤም ሓባራዊ ጸላኢ መንግስቲ እስራኤልን ሃማስን ኰይኑ ኣሎ እዚ ድማ እቲ ቐዳማይ ውዕል ኦስሎ ክልተ መንግስታት ዘለዎ ፍታሕ ንምቕባር ካብ ዝነበሮ ባህጊ ተላዒሉ ኢዩ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሓራን ናጻን መንግስቲ ፍልስጥኤም ንምቛም ዝነበሮ ሕልሚ ንምድንጓይ እውን ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ዓብላልነት ንምዕቃብ ካብ ዘለዎ ባህጊ ተላዒሉ ኢዩ።