ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝ ዝጽበዩ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከተማ ራፋሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ወተሃደራት እስራኤል ብዝፈነውዎ መጥቃቲ ብውሕዱ 24 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ቓዛ ዝመደብሩ ሰብመዚ ጥዕና፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ምዕራባዊ ራፋሕ ዘጋጠመ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ሞንጎ ቀጻሊ ተጻብኦታትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሓገዝ ንምርካብ ብዙሕ ህዝቢ ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን ምዃኑ ከም ዘፍለጠን፣ ዕለት 2 ሰነ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ምድራዊ ስርሒታት ከስፍሕ ምዃኑ ከም ዘፈለጠ ዜና ቫቲካን ምንጭታት እስራኤል ጠቒሱ የመላኽት።
ብኻልእ ወገን ናይ ምስሪ ርእሰ ብሔር ዓብደል - ፋታሕ ኣል - ሲሲን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮንን ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ኣተኲሮም ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት ከም ዝዘተዩን፣ ኣል ሲሲ ፈረንሳ ንመሰላት ፍልስጤም እትህቦ ደገፍ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ምስሪ ተኹሲ ደው ንምባል፡ ምልውዋጥ ጅሆ ንምምችቻእ፡ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ሰላማዊ ህዝቢ ቓዛ ክበጽሕ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ከም ዘመስገነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ሽማግለ ሚኒስተራት ዓረብን እስልምናን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን መንግስታውነት ፍልስጤም ንምስጓምን ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸን፣ ሽማግለ ሚንስትራት ዓረብን እስልምናን ልኡካን ናብ ራማላሕ ከካይዶ ዝነበረ ዑደት እስራኤል ድሕሪ ምዕጋታ እቲ ልኡኽ ምስ ርእሰ ብሔር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ኦማን ከም እተራኸበን እቲ ሽማግለ፣ ኣህጉራዊ ደገፍ ኣብ ምውዳብን ክልተ ሃገራት መፍትሒ ንምስጓም ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።